Thursday , April 18 2024

ሃገራዊት ጋንታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተዓዋታት ዋንጫ ብሙኻን ክብራ ዓቒባ!!

ትማሊ ኣብ ከተማ ሊዮን ፈረንሳ ዝተኻየደ ውድድር ፍጻሜ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ብዓወት ሕ/መ/ኣሜሪካ ብምዝዛም ዳግማይ ክብራ ዓቂባ። ሕ/መ/ኣሜሪካ ነዚ ክብራ ዝዓቀበት ንመዘኔን ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ 2 ብ 0 ብምስዓር እየን ።ራፒኖይን ላቨለን ንክልተ ሸቶታት ኣሜሪካ ድሕሪ ዕረፍቲ ብምምዝጋብ ኾኸብ ኣመዝጋቢት ሸቶ ተሸላሚት ወርቂ ጫማ ክትከውን ከላ ሓልዊት ልዳት ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ሳሪ ቫንቨንዳል ድማ ዝበለጸት ሓላዊት ልዳት ብሙኻን ተዓዋቲት ወርቃዊት በጃ ኢድ ኮይና።

 ኣሜሪካ ኣብ ታሪኽ’ዚ ውድድር ን4ይ ግዜ ብምዕዋት ክብረወሰን ብዝሒ ዓወት ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ሒዛ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኢያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com