Friday , March 29 2024

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሜድኣ 2 ብ 1 ስዕረት የእንጊዳ!!

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናይ ቀዳማይ እግሪ ንመጻረዩ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2022 ቀጠር፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ ኣብ ሜድኣ ብናሚብያ 2ብ1 ተሳዒራ።

ንዕረፍቲ ብዘይ ሸቶ 0ብ0 ዘምርሐ’ዚ ጸወታ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ 3 ሸቶታት ዝተራእዮ ኮይኑ፡ ተኸላኸልቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ገዛእ ልዳቶም ምስ ዘመዝገብዋ ሸቶ ሓዊስካ፡ ናሚብያ ናብ ዝቕጽል ጸወታ ከሕልፋ ዝኽእል ኣድማዒ ዓወት ሒዛ ወጺኣ።

ካብ ደገ ዝመደበሮም 14 ተጻወቲ ዝሓዘወሰት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትሑት ውህደት ምስ ዘይሰሓቢ ጸወታ ድሕሪ ምርኣይ፡ ኣብ ግጥም ካልኣይ እግሪ ተዓዊታ ናብ ዝቕጽል ጸወታ ንክትሰግር፡ ኣብ ናሚብያ ብውሕዱ 2 ሸቶታት ከተመዝግብ ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com