Friday , March 29 2024

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ውድድር ሴካፋ ንከንያ ብምስዓር ናብ ፍጻሜ ሓሊፋ።

ብ ኣሰልጣኒ ኣለምሰገድ ኤፍረም እንዳተኣልየት ኣብ ውድድር ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ትሳተፍ ዘላ ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣንጻር ኬንያ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ፍርቒ ፍጻመ ዋንጫ ሴካፋ ብዘተኣማምን መንገዲ 4 ብ 1 ብምዕዋት ናብ ናይ ፍጻመ ጸወታ ሓሊፋ:: ኣቤል ሰለሙን: ሚኪኤል ሃብተን ሮቤል ኪዳነን ን3 ሸቶታት ኤርትራ ዘመዝገብወን ክኾኑ ከለዉ: ራብዐይቲ ድማ ተጻዋታይ ኬንያ ናብ ገዛእ ልዳቱ ኣመዝጊብዋ::

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ  ኣብ ታሪኻ ኣብዚ ውድድር እዚ ንመጀመርያ ግዜ ናብ ፍጻሜ ብምብጻሕ ኣብ ታሪኻ ሓድሽ ታርኽ ሰንዳ ትርከብ። ኤርትራ ዝመጽእ ሓሙስ ኣብ ፍጻመ ካብ ኡጋንዳን ታንዛንያን ተዓዋቲት ኮይና ምስ ዝወጸት ጋንታ ክትገጥም እያ:: በዚ ኣጋጣሚ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓወት ንምንየላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com