Thursday , March 28 2024

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደንን ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ኣብ ዋንጫ ዩሮ 2020 ስታፌኦም የውሕሱ። ኣሌክሳንደር ኢሳቕ: ንሶም ዓለታዊ ጸርፎም ይቐጽሉ ግደፎም መልሲ ናይ ስዕረቶም ስለዝኾነ!! ንሕና ኣብ ጎኑ ኣለና ንስኹም ኸ?

ትማሊ ምሽተ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ናብ ሮምንያ ብምጋሽ ብ ናይ 2 ብ 0 ዓወት ስታፊኣ ኣብ ዋንጫ ዩሮ 2020 ኣብ ዘውሓሰትሉ፣ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ኣብ መበል 78 ደቒቓ ን በርይ ተኪኡ ናብ ሜዳ ኣብዝ ኣተወሉ፣ በዚ ውጽኢት ዕረ ዝጠዓሞም ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ሮማንያ ዓሌታዊ ጸርፊ እዩም ኣውሒዘሙሉ። እንተኾነ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ዘይከምቶም ካልኦት ጸልምቲ ተጻወቲ ብ ማእክላይ ዳኛ ናይቲ ምሸት ዳኒኤለ ኦርሳቶ ጸወታ ደው ከብሎ ዶ ኢሉ ኣብዝሓተተሉ ኣሌክሳንደር ግን ዘገርም መልሲ ማለት ” ግደፎም ንሶም ድልየቶም ይበሉ ጸወታ ኣቐጽሎ ንኩሉ ብእግረይ ክምልሶ እየ” ብምባል ነቲ ዳኛ ናይቲ ዕለት ኣገራሚ መልሲ ብምሃቡ ኣድናቖትት ረኺቡ ።

ብተወሳኺ ሓለቓ ጋንታ ሃገራዊት ሽወደን ኣንድርይስ ነዚ ኣመልኪቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ”ማእከላይ ዳኛ ጸወታ ከቓርጾ ሓሲቡ ነይሩ ግን ብ ሰናይ ድሌት ኣለክሳንደር ኢሳቕ ኣገራሚ መልሲ ብምሃቡ ጸወታ ቀጺሉ ብዓወትና ድማ ተዛዚሙ; ኣነ ዝገረምኒ ይብል ኣንድራይስ ካብዚ ውልዶ መንእሰይ ወዲ 20 ዓመት ከምዚ ኣገራሚ መልሲ ክሰምዕን ንዝወርዶ ጸርፊ ግምት ከይሃበ ጸወታ ክቕጽል ብምግባሩ ዘለኒ ክብሪ ብምግላጽ ኣብ ጎኑ ከምዘለኩ ይገልጽ ክብል ገሊጽዎ።

በዚ ናይ ትማሊ ውጺትት ተሓጊዛ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደንን ኤርትራዊ ሸወድናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቅ ተሳተፍቲ ንዋንጫ ዩሮ 2020 ብሙኻኖም ዮሃና እንዳበልና ንሕና እውን ኣዳላወቲ ኣልኮምፒስ ኣብ ጎኒ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ኣለና ንስኹም ከ?


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com