Friday , April 26 2024
Tomas Oneborg / SvD / TT

ሆስፒታላት ሽወደን ህጹጽ ምኽንያት ንዘይብሎም ብመጥባሕቲ ዝግበር ኣገባብ ሕርሲ፣ ቀዳምነት ከምዘይህባ ይሕብራ።

ኣብ ክልተ ዞባታት ሽወደን ዝርክርባ ሆስፒታላት ብሰንኪ ፍርሒ ዝተበገሰ ኣብ እዋን ሕርሲ ብመጥባሕቲ ሕርሲ ክወልዳ ንዝደልያ ኣደታት ዘሎ ተኽእሎ ይጸብብ ወይ ዉን ከምዘየካይዳ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ይሕብሩ። ብመሰረት እቲ ዜና፣ ምኽንያት እተን ሆስፒታላት ብሰንኪ ኮቪድ 19፣ ኣብ ልዕሊ ክፍሊ መጥባሕትን ኣገልግሎት ሕክምናን  ዝተፈጥረ ጸቕጢ ምዃኑ፣ ስበ መዚ ጥዕና ዞባታት ምብራቓዊ ጎትላንድ ዳላርና ሓቢሮም ።

ብኣገላልጻ እተን ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ኩሉ ንመወልዳን ተባሂሉ ብፍላይ ከኣ ብዝቐለል መገዲ ንምዉላድ ተባሂሉ ኣቐዲምካ ዝትሓዙ ናይ ብመጥባሕቲ ቆጸራታት፣ ስጋብ ቅልዉላዉ ለበዳ ኮሮና ዘሎ ቀዳምነት ከምዘይዋሃቦም ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኩሉ ዞባታት ጎትላንድ፣ ምብራቓዊ ኖርላንድን ቫርምላንድን ተመሳሳሊ ዉሳነታት ንምዉሳድ ምድላዉ ከምዘሎ ይንገር። ከምዝፍለጥ ዝበዝሓ ሆስፒታላት ሽወደን ዘይተደለዩ መጥባህቲ ብምዉንዛፍ ኣብ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ንዝተፈጥረ ጸቕጢ ንምፍዃስ መደብ ኣዉጺኤን ይሰርሓ ከምዘሎዋ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com