Friday , April 19 2024
Junge, Heiko/TT

ለፍቨን ብዛዕባ ኩነታት ምምራጽ ክሪስተርሶን ክትንበ ኣይደልን ይብል

ድሕሪ ናይ ሰሙናት ተንፋስ ዘይህብ ፈተነታት፡ ምቛም መንግስቲ ብጸቢብ ኩነታት ይቕጽል ኣሎ። ኡልፍ ክሪስተርሶን (መራሒ ሞደራተርና) ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዝግበር ድምጺ ምሃባ ኣባላት ባይቶ፡ ይዕወት’ዶ ንዝብል ሕቶ፡ መራሒ ሶሻል-ዴሞክራስያውያን ስቴፋን ለፍቨን ክትንበ ከም ዘይደሊ ንቴሌቪዥን ሽወደን (ኤስቬቴ) ሓቢሩ።

ቅድሚ ሸውዓተ ሰሙናት፡ ባይቶ ሽወደን ብዘካየዶ ድምጺ ተኣማንነት፡ ንመራሒ ሰልፊ ሶሻል-ዴሞክራስያውያን ዝዀነ ስቴፋን ለፍቨን ካብ መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝእለ ኰይኑ እዩ። ዝመጽእ ረቡዕ፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን ንመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ክርከብ ወይ ንኸይርከብ ባይቶ ድምጺ ክህብ እዩ። ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሽወደን፡ ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር ብድምጺ ክውገድ ብፍጹም ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ሶሻልዴሞክራስያውያን ኣይፋል ከድምጹዮም

ኡልፍ ክሪስተርሶን ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ቅቡል ዝኸውን፡ ብውሑዱ 175 ኣባላት ባይቶ ኣንጻሩ ምስ ዘየድምጹ እዩ። ካብ ዘሎ ብዙሕ ሓበሬታ፡ መራሒ ሰልፊ ሞደራተርና ዝዀነ ክሪስተርሶን ንመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ክምረጽ ሰፊሕ ዕድል ዘለዎ ኣይመስልን’ዩ ይብል ተንታኒ ፖሊቲካዊ ጉዳያት ኤስቪቴ ዝዀነ ማትስ ክኑትሶን።

እቲ ምኽንያት፡ ሰልፊታት ሊበራላውያንን ማእከሎትን ክሳብ ሕጂ ብትሪ ዝብልዎ ዘለዉ፡ ንክሪስተርሶን ‘እወ’ ዝብል ድምጺ ምሃብ ማለት፡ ነቲ እተን ክልተ ሰልፍታት ከወግዳኦ ዝደልያ ንናይ ሽወደን ዴሞክራስያውያን (ኤስዴ) ተቐባልነት ዝሰፍሐ ባብ ምርሓው ምዃኑ እዩ።

ከም ኣባህላ ስቴፋን ለፍቨን እዚ ዳግማይ ዝግበር ዘሎ ድምጺ ምሃብ ኣባላት ባይቶ ብቐሊል ዝረአ’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን ተዓዋቲ ኰይኑ ይወጽእን ኣይወጽእን ንዝብል ግን ትንቢቱ ክህብ ከም ዘይደሊ ንኤስቬቴ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ለፍቨንን ሶሾል-ዴሞክራስያውያንን ኣይፋል ንክሪስተርሶን ከድምጹ እዮም።

“ሓደ ናይ ሞደራተርና ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመርሖ ናይ ቡርዥዋ ምንግስቲ ክህሉወና ኣይንደልን ኢና፡ ምኽንያቱ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንነዊሕ እዋናት ንሽወደን ዝመርሐ ናይ ኣዝዮም ዓቃባውያን ዝዀኑ መንግስቲ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ስለ ዘሎ። እዚ ድማ ንሃገርና ጽቡቕ ኣይኰነን፡” ክብል ለፍቨን ንማዕከን ዜና ቲቲ ሓቢሩ።

LINDAHL BJÖRN/Aftonbladet/TT

ብዛዕባ ካልኣይ ምርጫ ክዛረብ ኣይደልን

ክሪስተርሶን ምስ ዘይዕወት፡ ኣፈኛ ባይቶ ብኸመይ ነቲ ጉዳይ ክፈትሖ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን። እንተዀነ፡ ኣብ ሽወደን ዳግማይ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምክያድ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ነገራት ክማልኡ ከም ዝግባእ ለፍቨን ይኣምን።

“ኣብ ባይቶ ናይ መጀመርያ ዳግመ ድምጺ ምሃብ ክይተገብረ እንከሎ፡ ብዛዕባ ዳግማይ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣይክንዛረብን ኢና። ልክዕ ከምቲ ህዝቢ ብድምጹ ውጽኢት ምርጫኡ ከረጋግጸልና ንጽበየሉ ዝነበረ መትከል’የ ዘለኹ፡ ስዒቡ ዝቕጽል መፍትሒ ምርካብ ሓላፍነትና ይኸውን፡” ይብል ንሱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com