Friday , April 26 2024

ልእልቲ ኖርዌይ ኣፍቃሪኣ ዕላዊ ጌራ።

ልእልቲ ኖርዌይ ማርታ ሉዊ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ስእሊ ኣመሪካዊ ኣፍቃሪኣ ሻርማ ቨሪት ብምጥቃዕ ፍቕራዊ ህይወታ ጋህዲ ጌራ’ላ።

ኣብቲ ስእሊ “ነዚ ዝመስል ኣፍቃሪ ምርካበይ ኣዝየ ዕድለኛ እየ፥ ኣብዛ ዓለም ዘይቅድመ-ኲነታዊ ፍቕሪ ምህላዉ ክርዳእ ብምግባር ንህይወተይ ቀዪርዋ እዩ።

ሳላኻ ሰሓቕ መዋዕልተይን መሓድርተይን ኮይኑ’ሎ ፍቕረይ። ንዘለኣለም ከፍቅረካ እየ!” ዝብል ጽሑፍ ከኣ ምስቲ ስእሊ ተለጢፉ ኣሎ።፡

ወዲ 44 ሻርማ መሃዚን ተጣባቒ መሰል ደቀንስትዮን እዩ። ንሳ ንነቐፍታ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ” ብዛዕባ ምርጫይ ንማንም ዘእትዎ ኣይኮነን፡ ኣነ ሓጎስ ዝህበኒ መሪጸ ኣሎኹ። በቃ!” ኢላ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com