Saturday , April 20 2024

ሎሚ ኣብ ግጥማት ቻምፒየንስ ሊግ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቸልሲ ምስ ባየር ሙኒኽ ከምእውን ናፖሊ ምስ ባርሳ፡፡

ሎሚ ምሸት ቀዳማይ እግሪ  ግጥማት ቻምፒየንስ ሊግ ኣብ መንጎ ዓርሞሽሽ ክለባት ቸልሲ ምስ ባየር ሙኒኽ ከምእውን ናፖሊ ምስ ፓርሳ ቀጺሉ ከምሲ እዩ፡፡

ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥም ብወገን ኢንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ኣከፋፋሊ ፈረንሳዊ ንጎሎ ካንቴ ካብዚ ግጥም ከምዝቦክር ርጉጽ ኣብ ዝኾነሉ ከምእውን ክሪስቲያን ፑልሲች፣ ፔድሮ ከምእውን ካሉም ሁድሰን ኦዶይ ኣጠራጠርቲ ክኾኑ ከለዉ፣ ብ ወገን ጀርመናዊት ጋንታ ባየር ሙኒኽ እውን ተኸላኻላይ ኒክላስ ሱል እን ኣጥቃዒ  ኢቫን ፔርሲች ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ዘይህልዉ እዮም፡፡

ብ ኣሰልጣኒ ክለብ ቸልሲ  ላምፓርድ ኣብ መንእሰያት ተጻወቲ ኣዛ ጋንታ ሙሉእ እምነት ኣለኒ እዚ ድማ ብስራሕ ዝመጸ ስጋብ ዝኾነ ተጻወቲ ስጋብ ዝኽኣሎም ብምግባር ክንዕወት ምኻና እየ ዝፈልጥ ክብል መግሊጺ ብምሃብ ነዛ ጀርመናዊት ክለብ ዘልዎ ክብሪ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ እዩ ገሊጹ፡፡

ታዓዋቲት ሓሙሽተ ግዜ ቻምፒየንስ ሊግ  ዝኾነት ብመሲ ትምራሕ ክለብ ባርሰሎና እውን ናብ ጥልያን ብምኻድ ምስ ክለብ ናፖሊ ግጥማታ ከተሰላስል እያ፡፡ ብወገን ባርሳ ን ሉዊስ ሱዋሬዝ፣ ኦስማን ዴምቤል፣ ጆርዲ አላባ እና ሰርጂዮ ሮቤርቶ ብምኽንያት መስበሪ ዘይህልዉ ክኾኑ ከለዉ ብወገን ናፖሊ ድማ ቡሉጽ ተኸላኻላይ እዛ ጋንታ ሰነገላዊ ካሊዶ ኩሊባሊን  የፈርናንድ ሎረንትን ነዚ ጸወታ ካብ ዝቦኾሩ ኮይኖም ኣለዉ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com