Wednesday , April 17 2024

ሎቪን ንመራሒ ሰልፊ ቬንስተር የጥቅዕ። ንተቋወምቲ ሰልፍታት ድማ ሃገር ናብ ጸልማት መጻኢ ይመርሕኦ ከምዘለዋ ይኸስስ።

ካብ መንግስቲ ንሰናይ ተግባራት ዝውዕል ተወሳኺ ገንዘብ ንኽስላዕን ብዛዕባ ካልኦት ጉዳያት ኣመልኪቱ ሓላፊ ሰልፊ ቨኒስተር፡ ዮናስ ኾስቴድ፡ ምስ ሰልፊ ሞደራትናን ክሪስ ዲሞክራትን ብምትሕብባሩ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን ተሪር ተቓውሞ ወሪድዎ። ንሆሎካስት ብዝምልከት ኣብ ዮርሳሌም ዝተገብረ ምትእኽኻብ ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ውን፡ ተቛወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ ነታ ሃገር ናብ ደልሃመት ይመርሕዋ ከምዘለዉ ምስ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ክሱ ኣመሓላሊፉ። ስምምዕ ጥሪ ንሽወደን ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኣክል ዘቲናን ተኣኪብናን ከንስና ናብ ሓደ ነጥቢ ክንበጽሕ ይከኣልናን። ንሕና ኣርባዕተና ወገናት ድማ ሓላፍነት ክንስከም ዝግበኣና ብምዃኑ፡ ብሓባር ሰሪሕና ክንወሃሃድን ገበናት ክንገትእን ኣለና ክብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ ተዛሪቡ። ስምምዕ ጥሪ ኣብ ማሕበራዊ ብልጽግና ምድንፋዕን ውዱብ ገበናት ምኽልኻልን ዓቢ ተራ ክጻወት ትጽቢት ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ተቓወምቲ ሰልፍታት ንውልቀን ክጓዓዛ ዘይኮናስ ሓቢረን ክጓዓዛሉ ዝኽእላ መደባት ክሕንጽጻ ከምዘለወን ኣዘኻኺሩ። ስቬርያ ዲሞክራት ኣብ ፓርላማ ሽወደን ዓብላሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንኽህልዎ ብዮናስ ኾስቴድ ዓቢ ዕድል ተኸፊትሉ ምህላዉን ኣብ መንጎ ሰልፍታት ቨኒስተርን ስቨርያ ዲሞክራት ክፍጠር ንዝኽእል ረብሓታት ከምዝገረሞ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ገሊጹ። ምስ ሰልፊ ስቨርያ ዲሞክራት ኣይተሓባበርን እየ ክብል ሓላፊ ሰልፊ ሞደራትና፡ ኦልፍ ክሪስተርሶን፡ ቅድሚ ምርጫ ዝዛረቦ ዝነበረ ቃል ኣብዚ ሕጂ እዋን በንጻሩ ንምትሕብባር ድሉው ምህላዉ ምግላጹ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ተሪር ነቐፌታ ወሪድዎ ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com