Thursday , April 25 2024
Kirsty Wigglesworth/TT

ሓላዊ ልዳት ፒተር ቸክ በጃ ኢድ ክሰቅል እዩ!

ሕሉፍ ምስ ክለባት ቸልሲ ህልው ምስ ክለብ ኣርሰናል ተዘካሪ ግዜያት ዘሕልፍ ዘሎ ሓደ ካብ ቡሉጻት ሓላዊ ልዳት ዓለምና ዝኾነ ወዲ 36 ዓመት ፒተር ቸክ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ናይ ውድድር ወቕቲ በጃ ኢድ ብምስቃል ካብ ኩዑሶ እግሪ ዓለም ክፋኖ ሙኻኑ ገሊጺ። ንሱ ብተወሳኺ ኣነ ዝተረፈኒ ዋናጩ የብለይን ንኹሉ ክወንኖ በቒዔ እየ ሕጂ ግን ይኣኽለኒ ዝተረፈ መደባተይ ክሰርዕ እየ ይብል።

ፒተር ቸክ ኣብ ታሪኽ ውድድር ፕሪመር ሊግ ን 20 ዓመታት ዝተጻወተ ኮይኑ 717 ጸወታታት ኣኻይዱ። ቸክ ኣብ 202 ጸወታታት ሸቶ የተመዝገቦ ብምውጽኡ ብዓል ክብረወሰን ኢንግሊዝ እዩ። ብተወሳኺ ምስ ክለብ ቸልሲ ኣብ ዓመተ 2004-05 ኣብ 24 ጸወታት ሸቶ ከይተመዝገቦ፣ ኣብ ታሪኽ ፕርመር ሊግ ኣርባዕተ ግዜ ናይ ወርቂ በጃ ኢድ፣ ኣብ ዓመተ 2006-07 1006 ግዜ ካብ ሸቶ ክኾና ዝኽእላ ኩዓሳሱ ብምድሓን ተወዳዳሪ የብሉን።

ፒተር ቸክ ገለ ካብ ዝተጛናጸፎም ዓወታት፣

  • 5 ግዜ ዋንጫ ኤፍ ኤ ካፕ
  • 4 ግዜ ዋንጫ ፕሪመር ሊግ
  • 4 ግዜ ኮሚኒቲ ሽልድ
  • 3 ግዜ ናይ ኢንግሊዝ ሊግ ካብ
  • 1 ግዜ ዋንጫ ቻምፒዮን ሊግ
  • 1 ግዜ ዋንጫ ኤውረጳ ሊግ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com