Saturday , April 20 2024

ሓላፊ Säbo ንፖለቲከኛታት የጠንቅቅ።

ሓላፊ Säbo ፖለቲከኛታት ካብ ግብረሽበራ ክመጽእ ይኽእል ብዛዕባ ዝበሃል ጸጥታዊ ስግኣት ኣዝዩ ዝተጋነነ ስእሊ ካብ ምሃብን ናብ ደረጃ ሕሉፋት ብምውራድ ብቋንቋ እዞም ባእታታት ካብ ምዝራብ ክቚጠቡን ጸዊዑ።

ሓላፊ ስቱር ፖሊስ ሽወደን(Säbo) ዝኾነ Klass Freiberg ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዝተጋነነ ስእሊ ጸጥታዊ ስግኣት ግብረሽበራውያን ካብ ምሃብ ክቚጠቡን ቅድሚ ናብ ትንተና ምእታዎም ኣጸቢቖም ክሓስቡን ተላብዩ’ሎ።

ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ከም ናይ ኒውዚላንድ ዝበለ መጥቃዕቲ ኣብ ሽወደን ከካይዱ ዝደልዩ ሕሉፋት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኣይሓብአን።

ካብ ሕሉፋት የማን ዝኾኑ ባእታታት ጎነጽ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ዓመታት ኣቐዲሙ ካብ ውድዓዊ ኲነታት ብምብጋስ ትንቢት እተገብረሉ ጒዳይ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።

“ፖሊስን ሰብመዚ ሽወደንን ናብ ደረጃ ኣሸበርቲ ወሪድና ቋንቋኦም ክንጥቀም እንተጀሚርና ግብረሽበራን ጎነጽን ልሙድ ናብ ምዃን ክሰጋገር ይኽእል እዩ” ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ’ውን በቲ ኣጋጣሚ ኣጠንቂቑ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com