Thursday , April 25 2024

ሓሳኹ(Insekter)፡ ከም ዓይነት መግቢ ንኽሽየጡ፡ ሽወደን፡ ከተፍቅድ እያ

ብመሰረት ውሳኔ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሽወደን፡ ንውሱናት ዓይነት ሓሳኹ፡ ከም ዓይነታት መግቢ፡ ንኽሽየጡ ከተፍቅድ ምዃና እኳ እንተሓበረት፡ እቶም ዓይነታት ሓሰኻ፡ መርዛም ዝኾነ ባክተርያ ዝተሰከሙ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሽወደናዊ በዓል መዚ መግብታት ገሊጹ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢለን፡ ዴኒማርክ፡ ሆላንድን ፊንላንድን፡ ንውሳኔ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ካብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ብዝተፈለየ ኣገባብን ብዝመስለን ቶርጒመን፡ ሓሳኹ ከም ዓይነት መግቢ ንኽሽየጥ ኣፍቂደን ምንባረን ይዝከር።

እዞም ዓይነታት ሓሳኹ፡ ብወገን ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ንሓደገኝነቶም ብዝምልከት ዝተዋህበ መምርሒ ከምዘየለ ብምባል፡ ሽወደን፡ ነቲ ውሳኔ ቶርጒማቶ ከምዝጸንሐት ገሊጻ።

ክሳብ ካብ ኤውሮፓዊ ኮምሽን፡ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ቀያዲ ውሳኔ ዝወጽእ፡ ኤውሮፓዊ ቤት ፍርዲ፡ ሎሚ፡ ምሉእ ኣካላት ዘለዎም ሓሳኹ፡ ከም ዓይነት መግቢ ተባሂሎም ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ክሽየጡ ከምዝኽእሉ ኣፍቂዱ ኣሎ።

እዞም ከም ዓይነታት መግቢ ተባሂሎም ኣብ ዕዳጋታት ክወርዱ ተሓሲቦም ዘለዉ፡ ብኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ንውሕስነቶም ዝምልከት ቀያዲ ውሳኔ ስለዘይተዋህቦም፡ ንጥዕና ሃሰይቲ ዘይኮኑ ዓይነታት መግቢ ምቕራብ፡ ሓላፍነት ናይተን ኣቕረብቲ ኩባንያታት ክኸውን እዩ ክብል ኣማኻሪ ሽወደናዊ በዓል መዚ መግብታት፡ ኣስትሪድ ግራንቤሪ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com