Friday , April 26 2024

ሓቐኛ ዛንታ፣ዓባይ በጊዕ—

ቐዳማይ ክፋል

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

 ኣብ ከባቢ ዕስራታት እትርከብ ጎርዞ እያ። ዕላላ ህዱእን ቁም-ነገር ዝዓብለሎን ብምዃኑ፡ ካብ’ቲ ተመሲጥካ ንኽትሰምዖ ዝድርኽ መዐቀኒታት ሓደ’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ፡ ኣመዛዚንካ ናይ ዘይምኻድ ባህርያት ከም ዘለዋ ግን፡ ካብ ዛንታኣ ክግምት ኣይተጸገምኩን።

 ብቖጸራ ኣብ ሓደ ካፊተርያ ምስ ተራኸብና፡ ነቲ ብግርህነት ዝኣተወቶ’ሞ ሕጂ እትጥዓሰሉ ዘላ ግዜ ንእስነታ፡ ኣብ ምዝንታው’ያ ብቕጽበት ተሸሚማ። ኣነ እውን ንእትብለኒ ክሰምዕ ተዳለኹ፡ ንእስነት ዝመንቀሊኡ ተካል ጒዕዞ።

 “እዚ ሕጂ ዝነግረካ ታሪኸይ፡ ነተን ብዕድመ ኣብ’ዚ ከማይ ደረጃ ዝርከባን መሳንይተንን መምሃሪ እንተኾኖም እዩ። ኣብ ገለ እዋን ድማ ኣሕዋትና፡ ከይተረድኦም ወይ’ውን ከይተረድአን ኣብ’ቲ ናቶም ግጉይ መስመር የእትዉና’ሞ፡ዘይቅኑዕ መንገዲ እንተኾይኑ ድማ፡ ንሕና’ውን ኣብ ታኼላ ንሸምም። ኣነ፡ እግሪእግሪ ሓፍተይ ስለ ዝሰዓብኩ’የ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለኽዎ ደረጃ ዘለኹ…” ፍሩያት ኣዒንታ እናንከባበለት፡ ንዕላላ ዝኸውን መእተዊ ገበረትለይ።

 “ብሰንኪ ሓፍተይ ክትብሊ ከለኺ ከመይ ማለት’ዩ?” ዝያዳ መብርሂ ደለኹ።

 “ኩሉ ምእንቲ ክትኣሳሰረልካ፡ እቲ ወግዒ ካብ ፈለማኡ ክነግረካ። ስመይ ዮሃና ተኸስተ’የ ዝበሃል፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ካብ ዝርከባ ዓድታት ኣብ ሓንቲ ብ1996 ተወሊደ። ስድራይ ብሕርሻን መጓሰን ዝናበሩ ብምዃኖም፡ ካብ ህጻነይ ጀሚረ ምስ ርግኦን ጸባን’የ ዓብየ ክብለካ እኽእል። ብስድራይ ዝውንና ጤለ – በጊዕ ስለ ዘለዋና፡ ኣብ መነባብሮና ጸገም ዝበሃል ኣይነበረን። ስድራይ ሰለስተ ኣዋልድን ኣርባዕተ ኣወዳትን ዝወለዱ ኮይኖም፡ ኣነ ምዕባይ ሕሳስ ልደ’የ። ስድራ-ቤትና ፍቕርን ስሓቕን ዘይፍለያ ስድራ’ያ ነይራ . . .” ነቲ ዝነበረ ፍቕሪ ግዲ ዘኪራ፡ ኣብ ውሽጣዊ ሓሳብ ኣትያ ዝን በለት።

 “እንታይ ድኣ ስቕ ኢልኪ?” ኣትያቶ ካብ ዝነበረት ሓሳብ ከገላግላ ፈተንኩ።

 “እቲ ፍጻመ ብዙሕ’ዩ በጃኻ። ንኹሉ ግና ከዕልለኪ . . ዕድመይ ንትምህርቲ ዓለም ተጸንቢረ። ቦኽሪ ገዛና ዝኾነ ሓወይ ኣብ ትምህርቲ ግዱስ ብምዃኑ ወለድና ድማ ብእኡ ሕጉሳት ብምንባሮም፡ ቅዱስ ቅንኢ ከሕድረለይ ጀሚሩ። በዚ ምኽንያት ካብ’ታ ናይ መዋእለ ህጻናት ትምህርተይ ዛዚመ መባእታ ዝሰገርኩላ ግዜ – ኣብ ትምህርተይ ክነፍዕን፡ ናይ ዓቢ ሓወይ ክኽተልን ክኢለ። ንፉዕ ሓዉ ንርእሱ ነፊዑ’ዩ ዘንፍዓካ። ሕማቕ ድማ ሒዙካ ይጠፍእ። ኣነ ኣብ ህይወተይ በዘን ክልተ ኣንጻር መንገድታት’የ ተፈቲነ፡” ከተብርሃለይ ግዲ ተጸጊማ ዕላላ ኮሊፋ ተዋጠረት።

 “ብኽልተ’የ ተፈቲነ ማለትኪ ኣይበርሃለይን?” ብሰንኪ ሓወይ ነፊዐ ክትብል ጸኒሓ፡ ኣንጻራዊ ሓሳብ ምምጽኣ ምርዳእ ኣበየኒ።

 “ቀስ ኢለ እንድየ ናብኡ ከእትወካ ደልየ። ብዝኾነ ሰለስተ ኣዋልድ ከም ዝነበርና ነጊረካ – እታ ዓባይ ሓፍትና ትምህርታ ኣብ ሻምናይ ክፍሊ ኣቋሪጻ ደገ ደገ’ያ ትብል ነይራ። ማህጸን ኣደ ጉራ ጉራ’ዩ ዝበሃል እውን ከም’ዚ ምስ ተረኽበ’ዩ። ካብ ገዛና ፍሉይ ባህሪ ዝነበራ ንሳ’ያ። እቲ ዓቢ ሓወይ መኺሩ ምስማዕ ኣብያቶ፡ በቃ ከም’ዛ በይና ዝተፈጥረት ብርእሳ’ያ ትኸይድ። ብፍላይ እቲ ቦኽረ ገዛና ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ምስ ከደ ከም’ዛ ዋና ዘይብላ እንስሳ’ያ ተቐይራ። ናይ ሓፍተይ ዘዕልለካ ዘለኹ ምኽንያት ኲነታት ምሳይ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ’የ። ብዝኾነ ኣነ ኣብ ትምህርተይ ከይሓመቕኩ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ደረጃይ እናወጻእኩ’የ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርተይ ወዲአ ናብ ካልኣይ ደረጃ ዝሰገርኩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ እታ ዓባይ ሓፍተይ ብዘይ መርዓ ሓደ ቆልዓ ወሊዳ ካልኣይ ነብሰ ጾር ነይራ። ወላዲ ንውላዱ ካብ ህጻኑ እንተዘይኮስኲስዎ፡ ከም’ዛ ናይ ሓፍተይ ምዃኑ ዕጫኡ ይበርሀልካ፡ ሓንሳብ ቀይዲ በተኸ ምስ ኮነት መትሓዚ ተሳኢኑዋ።”

 “ድሕሪ ሓውኺ ዝምዕዳ ኣይረኸበትን ድያ?” ዕላላ ኮሊፋ፡ ተራ’ቶም ዝተረፈ ኣሕዋታ ክትሕብረኒ ተወከስኩዋ።

 “ኣብ ሕብረተሰብና እንታይ ኣሎ መስለካ – ከም’ዚ እንተተዛሪበዮ ወይ’ውን ተቛይቘዮ ከይኩርን ከይሓርቕን ዝብል ፍርሒ ስለዘሎ፡ ስቕ ኢኻ ትብል። እዚ ግና ዝያዳ ነቲ ሰብ ከም ዝገድድ’ዩ ዝገብሮ። ኣብ ሓፍተይ ድማ ስቕ ምባል ናጻ ከም እትኸውን’ዩ ገይርዋ። እቲ ዘሐጉስና ግና ክልቲኦም ደቃ ካብ ሓደ ሰብ ምዃኑ’ዩ። ምስ’ቲ ዝወለደላ ሰብ ኣብ’ቲ ፈለማ ተጠርኒፋ’ኳ እንተነበረት፡ ደገ ደገ ዝለመደት ነብሲ በየናይ ዓቕማ ክትቀውም – ቀለጢፎም ተፈላልዮም። ጾር ናይ ስድራ ድማ ኮይና። እዚ ንሕና ክንምሃረሉ’ኳ ዝግብኣና እንተነበረ፡ በንጻሩ ኣነ’ውን ከይተረድኣኒ እየ ነቲ ናታ መንገዲ ስዒበዮ . . .” ስክፍታ ሓዊሳ ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ።

 “ነቲ ሕማቕ ስዒበዮ!” ብስንባደ ነቲ ናታ ቃል ደገምክዎ።

 “እወ!… ክገርመካ ‘ዓባይ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ’ዩ’ ነገሩ። ኣነ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡  እዛ ሓፍተይ ምስ ክልተ ደቃ ኣብ ዓሰብ ንእሽተይ ዱኳን ትኸፍት። ንማለቱ ድኣ’ያ ዱኳን ከፊታ እንበር፡ ንሳስ ነቲ ናይ ደገ ደገ ወልፋ ተሃና ከተውጽእ’ያ ደልያ እየ ዝብል። ብዝኾነ ንዓይ ክትሕግዘንን ቘልዑ’ውን ክትሕዘለይ፡ ብኡ ገይርኪ ድማ ጉዳይ ትምህርትኺ ትገብሪ ኢላ ሒዛትኒ ከይዳ። ኣነ ኣብ’ዚ  እዋን ጓል ዓስርተ ሽውዓተ ዓመት’የ ነይረ። ናይ ነገር ንእስነት ብዘይ ውዓል ሕደር ተበጊስ። ንኸተማ ዓሰብ ኣይጸላእክዋን፡ ንሓፍተይ ግና ጸሊአያ። ኣብ ትምህርተይ ክሓምቕን ክድሕርን ጀሚረ። ምስ ዝተፈላለዩ ደቂ-ተባዕትዮ ክርእያ ከለኹ፡ ‘ዘይፍትኖ’ኸ’ ዝብል ኣጉል ሓሳብ ክሓስብ ጀሚረ። ሓደ ዓርኪ ድማ ክህሉወኒ ብሂገ። ዓቢ ሰብ ምኽሪ ይልግስ፡ ብዛዕባ ነብሱ ጥራይ ዝሓስብ ግና…. ብዝኾነ ከም ትምኒተይ ምስ ሓደ ወዲ ተላልየ ፍቕሪ ጀሚረ። ሓፍተይ ኣብ ካልእ ስለዝነበረ ኣእምሮኣ ንዓይ ዝኸውን ግዜ ኣይነበራን። ፍቕሪ መቐረቱ ምስ ኣስተማቐርኩዎ ደስ ክብለኒ ጀሚሩ። ከይተረድኣኒ ድማ ኣብ ናይ ሓፍተይ ታኼላ ክሽመም ጀሚረ። እታ ናይ ፈለማ ናብ ጽላለ ዝመርሓትኒ መንገዲ ድማ እዚኣ’ያ።” ንሕሉፍ ግዲ ዘኪራ፡ ኣዒንታን ቆላሕታኣን ናባይ ልኣኻ። ብሓደገኛ ኣገባብ ጒዕዞ ከም ዝጀመረት’ውን ዝበርሃላ መሰለ። እቲ ድንግርግር ዝበለ ህይወታ ድማ ካብዚ እዩ ዝጅምር።

ይቕጽል—


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com