Friday , March 29 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ሓተትቲ ዑቕባ ዜግነት ክወስዱ ኣይነገድድን ኢና። በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን

ኣብ ሽወደን ክነብሩ ዘይተፈቕደሎም ሓተትቲ ዕቚባ እቲ ምብራር መታን ክትግበር ምትሕብባር ከርእዩ ይግባእ ተባሂሉ።

ቤተሰብ ፋሕ እንተበለትን ቆልዑ ካብ ወለዶም እንተተነጸሉ’ውን ነዚ ቅሩባት ክኾኑ ኣለዎም እዩ ዝበሃል ዘሎ።

“ናይ ሎብዘመን ሕጊታት ንሰብኣዊ ሽነኽ ብዙሕ ትዂረት ዝህቦ ዘሎ ኣይመስልን” ትብል ኣብ Kramfors ዝርከብ በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ትሰርሕ Cecilia Borgh።

ዕጫ ስድራ ቤት ሻት ኣብ ዓዶም ከቢድ ስምዒት ምፍጣሩ ድማ ገሊጻ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን እንዳ ሻት እኹል መርትዖ ሕቶ ዕቚባ ስለዘይብሎም ክስጐጉ ኣለዎም እዩ ዝብል። እቲ ሕቶ ምስጓጒስ ሕራይ ግና ናበይ ዝብል እዩ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ናብታ ብ 2013 ዝጠንጠንዋ ፍልስጤም ዘይኮነ ናብ ዓዲ ኣዲኦም ዩክሬይን እዩ ክሰጐም ዝደሊ ዘሎ። እንተኾነ ግና ዩክሬይን ድርብ ዜግነት ኣይትቕበልን እያ።

ስለዚ ድማ ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን እቶም ቆልዑ ዜግነቶም ናብ ዩክሬን ክቕይሩ ናይ ኣዲኦም Alina ፍቓድ ክረኽቡ ኣለዎም።

እዚ ድማ ንሳ ትኹን ዓድል ፈጺሞም ዘይደልይዎ እዩ። ሕራይ እንተዝብሉ’ውን ካልእ ሽግር ኣሎ።

ዓድል ናይ ዩክሬን መእተዊ ቪዛ የብሉን። እዛ ቤተሰብና ፋሕ ናይ ምባል ሓደጋ ተነቢርዋ’ሎ።

“ንሕና እነገድዶ ሰብ የብልናን። ኣብ ከምዚ ኲነታት ንሰብ ዜግነቱ ኣገዲድካ ከተቐይሮ ይከኣል ድዩ?” ” በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ንማንም ኣየገድድን እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ሽወደን ክነብሩ ዘይተፈቕደሎም ሓተትቲ ዕቚባ እቲ ምብራር መታን ክትግበር ምትሕብባር ከርእዩ ይግብኦም እዩ” ትብል ኣብ Kramfors ዝርከብ ትካል ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን ትሰርሕ Cecilia Borgh ምስ SVT Vasternorrland ኣብ ዝገበረቶ ዕላል።

እንተ ዘይተሓባቢሮም ከ? ፖሊስ ነቲ ምስጓጒ ክትግብርዎ ይግደዱ ማለት እዩ። ነቲ ምስጓጒ እንድሕሪ ዘይሰሚርካዮ ዓመት ናብዚ ዞባ ከይትቕልቀል ክትእገድ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ምስጓጒ ከይፍጸም ዝገብር ዕንቅፋት ኣሎ እንተኾይኑ እቲ ጒዳይ ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝርከቦ ክውንዘፍ ይኽእል እዩ።

ሕጊ ሽወደን ሰብኣዊ ሚዛን የብሉን ዝበሃል ነቲ ጒዳይ ብምልኣተ ምስ እትግምግሞ ብዙሕ ስምዒት ዝህብ ውንጀላ ጥራይ እዩ ዝኸውን።

ሓተትቲ ዕቚባ እኹል መርትዖ እንተ ዘይኣቕሪቦም ክሰጐጒ እዮም። ንሕና ብዝከኣለና ስድራቤት ከይበታተና ክንሰርሕ ኢና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com