Thursday , April 25 2024

ሓናኻት ዲኹም?

ሓፋራት ሓያሎ ማሕበራዊ ጸገማት’ዩ ዘጓንፎም። ንኸዕልሉን ምስ ሓደስቲ ሰባት ንኽላለዩን ይጽገሙ። በዚ ድማ፡ ብሕትዋትን ንጹላትን ኰይኖም ይተርፉ። ናይ ምዝማድን ምስትውዓልን ጸገማት’ውን የርእዩ’ዮም። ኣብ ጥቕኦም ሰብ እንተሎ፡ ብግቡእ ክሓስቡን ክዝክሩን ኣይክእሉን። ኣቐዲሞም ዝሓሰብዎ ነገር እንተሎ ድማ ህልም ኢሉ ይጠፍኦም። ናይ ምዝራብ ዓቕሚ የጒድሉ – ስለ ዝሓፍሩ ድማ ዝሑላት ይመስሉ። ብዓይኒ ካልኦት ሰባት ዕቡያትን ዘይግዱሳትን መሲሎም ስለ ዝርኣዩ ሓያሎ ጸገማት የጓንፎም።

 ኣብ’ዘን ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ብርክት ዝበሉ ተመራመርትን ሓካይምን ንሕፍረት ብደቂቕ ክመራመርሉ ተራእዮም’ዮም። ገለ ሰባት ሓፋራት ኰይኖም’ዮም ዝውለዱ። ‘መብዛሕትኡ ሕፍረት ግን ብተወርሶ ኣይኰነን ዝመጽእ፡ ’ ይብሉ ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ። ሕፍረት ሕማም ዘይኰነ ስምዒት’ዩ። ካብ ኣተኣላልያ ቤተ-ሰብ ከም ዝብገስ ድማ ሓያሎ ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ ይሰማምዑ።

ሕፍረት ውሽጣዊ ስምዒት’ዩ። እቲ ናይ ምሕፋር ስምዒት ክሳብ ዕለተ ሞትካ ምሳኻ’ዩ ዝጸንሕ። ሕፍረት ወቕታዊ ስምዒታዊ ኣይኰነን። ብምኽርን ክንክንን ሓካይም ሰነ-ኣእምሮ ግን መጠን ሕፍረት ክንኪ ይኽእል’ዩ።

ሕፍረት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ’ዩ። ኣብ ዓለም ዝወሓዱ ሓፋራት ዜጋታት ዘለዋ ሃገር እስራኤል’ያ። ኣብ’ታ ሃገር ህጻናት ምንኣድን ምውቃስን ብባህሊ ልሙድ ምዃኑ ሓደ ካብቲ ምኽንያት’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com