Friday , April 26 2024

ሓንቲ እተሓጀበት ጓለንስተይቲ ኣብ ጎደና ማልም ሓደ ሰብኣይ ቱፍ ከም ዝበለላ ትኸስስ!!

ሓንቲ እተሓጀበት ጓለንስተይቲ ኣብ ማልም ብሓደ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዳ ገሊጻ። ንሱ ኣብ ገጻ ምራቑ ከም ዝተፍኣላ ኣፍቶንብላዴት ንንባብ ኣብቂዑ። እዛ ራቢኒጃር ዝስማ ጓል 24 ዓመት መንእሰይ ብረቡዕ ናብ ስርሓ እናኸደት እዩ በዚ ዛጊት መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ መጥቃዕቲ ኣጓንፍዋ። “ኣብ ገጽ ጓለንስተይቲ ጡፍ ምባል ፍጹም ነውሪ እዩ” ክትብል በዓልቲ ሞያ ጥዕና እቲ ከባቢ ነታ ጋዜጣ ገሊጻ’ላ።

እቲ ሰብኣይ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ናብቲ ሽፉን ኣካላታ ክጥምት ድሕሪ ምጽናሕ ናብኣ ብምቕራብ ምራቑ ከም ዝተፍኣላ ድሕሪ ምግላጽ ብሓዘን ናብ ፖሊስ ጥርዓን ምቕራባ ሓቢራ’ላ። ፖሊስ ብወገኖም ከምዚ ዝመሰለ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ዝወርዶም ሰባት ንፖሊስ ክጠርዑ ከም ዝግባእ ተላብዮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com