Friday , April 26 2024

ሓንቲ ዓለም፡ ድኻታትን ሃብታማትን

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ እንስሳታት ሃብታምን ድኻን የሎን ኪብሃል ይከኣል። ኩላቶም ሃዲኖም ይኹን ማእሪሮም ነተን ዝረኸቡወን በሊዖም እዮም ዚድቅሱ። ንጽባሕ ስለ ዘይሓስቡ፡ (ብዘይካ ገለ ውሑዳት ምግቢ ዝኽዝኑ ፍጡራት፡ ንኣብነት ከም ጻጸ፡ ንህቢ ወዘተ) ከምኡውን ንጽባሕ ኢሎም ስለ ዘየቐምጡ፡ ኣብ መንጎ እንስሳታት ናይ ሃብትን ድኽነትን ኩነታት ኪፍጠር ኣይከኣለን። ዝመናጠሉን ዝዝርፉን ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም፡ ግን ነቲ ዘለዎም ኪውስኹሉ ኢሎም ዘይኮነስ፡ ስስዐ ባህርያቶም ስለ ዝኾነ እዩ።

ወድሰብ እውን ቀደም ዘመን ከምኡ እዩ ነይሩ ይብሃል። ሃዲኑ ኪበልዕ ከሎ፡ ነታ ሽዑ እተድልዮ ድራሩ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ጸጊቡ እንተ ሓደረሞ ተረፍ መረፍ እንተሎ ንጽባሒቱ ይበልዖ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜውን እቲ ዝሃደኖ እንስሳ ኣዚዩ ዓቢ ምስ ዚኸውን፡ ምስ ብጾቱ ብምክፋል ንሰሙናት ኪበልዕ የሕልፎ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ከኣ ነቲ ዝሃደኖ ስጋ ከም ቋንጣ ኣንቂጹ ንኣዋርሕ ይቕለብ ነይሩ እዩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ፡ እታ ሰበይቲ ዝኣከበቶ ቋርፍን ካልእ ቆጽለመጽልን ኣብ ግዜ ደርቂ ምንጪ ናይ ምግብነት ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ። በዚ መገድዚ፡ እቲ ናይ ሃብታምን ድኻን ማሕበራዊ ደረጃታት ገና ኣብቲ ኣቃውማ ማሕበረሰብ ኣይኣተወን ነበረ፡ ከም ናይ መፈላለዪ ኣባላት ሕብረተሰብ ኮይኑ ኪሰርሕ እውን ኣይከኣለን።

ርኡይ ሃብትን ድኽነትን ኪቀላቐል ዝጀመረስ፡ ኣብዛ ምድሪ ማሕረስን ንግድን ምስ ተኣታተወ እዩ። ብመገዲ ማሕረስ፡ ብዙሕ እኽሊ ኪሕፈስ ክኢሉ። ቀልጢፉ ዘይበላሾ ብምዃኑ ድማ ንነዊሕ ግዜ ኪኽዘን ወይ ኪዕቈር ተኽእሎ ኣርኢዩ። ኣብ ርእስዚ፡ እቲ ሓረስታይ ናብዝን ናብትን ከይበለ፡ ካብ ቤቱ ከይረሓቐ ኣብ ሓደ ቦታ ዓሪፉ ጥቓ ግራቱን ከብቱን ኮይኑ ተቐሚጡ። ከምዚ ዝበለ ናብራ ድማ ቤተሰብ ንምትካልን ንምስዳርን ምቹእ ነበረ። ድሕሪ ቤተሰብ ድማ ማይቤት፡ ድሕሪኡ ቀቢላ፡ ድሕሪኡ ከባቢ እናበለ ኣብ መጠረስታ ናብ ሃገር በጺሑ።

ገለ ሰባት ኣብ ጥቓ ማይ፡ ገለን ኣብ ማይ ዚውሕዶን ኣከባቢ ኪቕመጡ ከለዉ፡ ቀስ እናበለ፡ እኽልን ጥሪትን ዘለዎምን ዘይብሎምን ኪፍጠሩ ክኢሎም። እቶም ብዙሕ እኽልን ጥሪትን ዚእክቡ፡ ነቶም ዘይብሎም ኪሸጡሎም ጀመሩ። ከምዚ እናበለ ንግዲ ተስፋሕፈሐ። ገንዘብ ወይ ጥሪት ዘለዎምን ዘይብሎምን ድማ ተራእዩ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ብኣቋራጭ ኪህብትሙ ስለ ዝሃቀኑ፡ ሸፋቱን ሰረቕትን ዘረፍትን ጉሒላታትን ኪቀላቐሉ ግድን ነበረ።

ምዕባለ ወድሰብ እናቐጸለ፡ እቲ ሕብረተሰብ ድማ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ምምሕዳር ኪመጽእ ግድን እዩ። ኣብ መንጎ ነጋዶን ዘረፍትን ድኻን ሃብታምን ኪዳንዩ እዩ ነይሩ እቲ ትጽቢት። ግንከ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ስርዓት ምምሕዳር ኣብ ኢድ ናይቲ ወራሪ፡ ወይ ድማ ኣብ ኢድ ናይቲ ኣብ ህዝቢ ዝያዳ ናይ መንፈሳውነት ፍልጠት ዝነበሮ ወይ ኣብ ኢድ ናይ ሓደ ዓማጺ ጉጅለ ወይ ኣብ ኢድ ሓደ ሓያል ተዋጋኢ ጭፍራ ብምንባሩ እቲ ውጽኢትስ ከምቲ ዚድለ ኣይነበረን።

እቶም ሰበ ስልጣን ነቶም ሓረስቶት ወይ ነጋዶ ብዘይ ፍትሓዊ መገዲ ከገብሩዎም (ግብሪ ከኽፍሉዎም) ምስ ጀመሩ፡ ቤተክህነት ከም ናይ ኣምላኽ ተወካሊት ነቲ ጨቋኒ ከተገልግልን መሳርሒ ክትኮኖን ግዜ ኣይወሰደላን። ሓረስታይ እናደኸየ ከይዱ፡ እቶም በዝበዝቲ እናሃብተሙ ከይዶም። ድኻታትን ሃብታማትን ድማ ኣብዛ ዓለምና ኪቕጽሉ ክኢሎም። በዝበዝቲ ክሳዕ ሃለዉ፡ ድኽነት ኪህሉ ግድን እዩ።

ከምዚ ብምዃኑ፡ ሰረቕትን መታለልትን ገበትትን፡ እንሓንሳእ ከም መራሕቲ ሃገራት፡ እንሓንሳእ ከም ኣማኸርቲ መራሕቲ ሃገራት ወይ ከም ወሰንቲ ዓለማዊ ቁጠባ ክይኖም ከም ቫይረስ ወይ ባክተርያ ቅርጾም እናቐያየሩ ክሳዕ ለይተ ሎሚ ንደቅሰብ የሳቕዩ ኣለዉ። እቲ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ጋግ ድማ ኪጸብብ ኣይከኣለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com