Friday , April 26 2024

ሓደ ወዲ 15 ዓመት ቆልዓ ብሓደጋ ሞይቱ።

ኣብ ቬስትሮስ፡ ሓደ ወዲ 15 ዓመት ቆልዓ ኣብ ልዕሊ ባቡር ብምስቃል ነቲ ልዑል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘለዎ መስመር ብምትንካፉ ከምዝሞተ TT ሓቢሩ።

እቲ ቆልዓ ምስ ዓርኩ ኣብ ልዕሊ ሓደ ደው ኢሉ ዝነበረ ባቡር ድሕሪ ምስቃሎም ነቲ መስመር ኤሌክትሪክ ከምዝሓዞን ኣምቡላንስ መጺኣ ድማ ናብ ኣብ ቪስትሮስ ዝርከብ ኣሃዱ ቀዳማይ ረዲኤት ከምዝበጽሐን ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ኡፕሳላ ዝርከብ ሆስፒታል ኣካዳሚስካ በጺሑ ምንባሩን፡ ንምድሓኑ ጻዕርታት’ኳ እንተተኻየዱ፡ እቲ ቆልዓ ሰሉስ ለይቲ ኣብቲ ሆስፒታል ዓሪፉ ክብል ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ዓርኪ’ቲ መዋቲ ቆልዓ ብሰንኪ ኣብ ኢዱ ዘጋጠሞ ቃጸሎ (ምንዳድ) ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኽግበረሉ ኣብቲ ሆስትፒታል ተዓቒቡ ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ቆልዓ ብርቱዕ ስንባደ ስለዘለዎ ቃሉ ክንወስድ ኣይከኣልናን ክብል ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com