Thursday , March 28 2024
Dusko Jaramaz/PIXSELL

ሕማም ዓባይ ሰዓል ዝከላኸል ክትባት ብሃገር ደረጃ ከም ዝቕረብ ተጌሩ ኣሎ። 

ሕማም ዓባይ ሰዓል ዝኽሰተሉ ወቕቲ ገና ሒደት ሳምንታት ተሪፍዎ እኳ እንተሎ ዝተፈላለየ መልክዓት እቲ ቫይረስ ዝከላኸል ክትባት ብሃገር ደረጃ ከም ዝቕረብ ተጌሩ ኣሎ።
ኣብ ወኪል ህዝባዊ ጥዕና ክኢላ ኤፒዲሚዮሎጂ ዝኾነት ኣና ሳራ ካርንሃን  እቲ ክትባት ካብ 65 ንላዕሊ ንዝዕድሚኦም ሽማግለታት፥ ነፍሰጾራትን ሕዱር ሕማም ንዘለዎምን ጥራይ ክወሃብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ይኹን’ምበር ዘተኣማምን ጥዕና ዘለዎ መንእስይ እውን ነዚ መድሃኒት ክወስዶ ይኽእል እዩ።
እቲ መድሃኒት ሓንሳብ ምስ ተወስደ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ጸረ ቫይረስ (ኣንቲቦዲ) ክምዕብልን ካብ ሕማም ዓባይ ሰዓል ምክልኻልን ይጅምር። ይኹንምበር ክትባት ወሲድካውን ካብ መልከፍቲ ዓባይ ሰዓል ምሉእ ውሕስነት ትረክብ ማለት ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። እዚ ይኹን እምበር ክትባት ምውሳድ ንመልከፍቲ ኣብ ምቅላል ዓቢ ግደ ኣለዎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com