Friday , March 29 2024

ሕርቃን – ከም መመቀሪ ህይወት

ስምዒት ጸቕጢ፡ ጠንቂ ብዙሓት ሕማማት’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሕርቃን መበገሲ ስምዒታዊ ጸቕጢ’ዩ። ሕርቃንካ ብግብረ መልሲ፡ ማለት ነቲ ጠንቂ ሕርቃነይ’ዩ እትብሎ ሰብ ከተጉሂ ምፍታን፡ ንግዚኡ ስምዒትካ ዘርወኻ ኰይኑ ይስምዓካ። እንተዀነ፡ ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ። ኣብ ዘይተደልየ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሓሸውየ ትጽመድ’ሞ ሰላም ካባኻ ትርሕቕ።

ኣብ ግዜ ሕርቃን፡ እቲ ዘሕርቐካ ከም ኣሽሓት ኣፍራስ ኣብ ዙርያኻ ዝጋልቡ ዘለው ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል ይኸውን’ዩ። ረጊእካ፡ ገዛእ-ርእስኻ ወዲብካ ምስ ተስተውዕል ግን፡ እቶም ኣሽሓት ኣፍራስ ኣብ ዙርያኻ ዝጋልቡ ኰይኖም ዝስምዑኻ ዝነበሩ ንእሽቶይ ዒሉ ጥራይ ኰይና ክትጸንሓካ’ያ – እቲ ዘጋጥመካ መከራ ቀሊል – ክትቆጻጸሮ’ምበር ክቆጻጸረካ ከም ዘይክእል ትርዳእ።

ኣብ ግዜ ሕርቃን፡ ንንውሕ ዝበለ መንገዲ ብእግርኻ ብምጓዓዝ፡ ካብቲ ዘሕርቐካ ግልል ኢልካ ንነገራት ከተመዛዝን ስለ ዘኽእለካ ኣዘውትሮ። ምናልባት እዚ ከቢድ ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል ይኸውን። ከምኡ ብምግባርካ ግን ብዙሕ ረብሓ ክትረክብ ኢኻ። ካብቲ ዘሕርቐካ ሃዋሁ ምግላልካ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ መገድኻ ብዙሓት ካባኻ ንላዕሊ ዝተሸገሩ ትረክብ’ሞ፡ ምስቲ ገጢሙካ ዘሎ ኩነታት ተገናዝቦ። ካብ ሕርቃን ዝተላዕለ ምስቲ ዘሕርቐካ ዘሎ ሰብ ኣብ ካልእ ዘይተደልየ ጎንጺ ካብ ምእታው’ውን ትድሕን። ባህሪ ጸጋታት ብምዕዛብ ካብ ሕርቃንካ ውጽእ ንኽትብል ይሕግዘካ። እዚ ዓይነት ኣካይዳ፡ ንኣእምሮኻ ብሕት ኢልካ ክትቆጻጸሮ ዘኽእል መንገዲ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።

ሕርቃን ልክዕ ከም በርቂ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ደበና ዝበርቕ በርቂ። ንናይ ምግንዛብን ትዕግስትን ዓቕምኻ ዝፈታትን መሰናኽል። ነዚ ፈተና’ዚ እንተ ደኣ ሰጊርካዮ፡ መላኺ ገዛእ-ርእስኻ ስለ እትኸውን፡ ኩሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ይኸውን’ሞ ርግኣት ይስምዓካ። ትሑትን ፈቃርን ድማ ትኸውን። ዝያዳ ካልእ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ፍቱው ትኸውን።

እቲ ብሓይሊ ንፋስን ማዕበልን ተናዊጹ ዝውዕል ገምገም ባሕሪ እስከ ንተዓዘቦ። እንክትርእዮ ባህታ’ዩ ዝፈጥረልካ። ልክዕከምዚ ባሕሪ ብውሽጣዊ ሕርቃን ክንናወጽ ንኽእል ኢና፡፡ ከምቲ ነውጺ ባሕሪ ንጽባቐ ዘጉልሕ፡ ንሕርቃንና ከም መመርመሪ ውሽጣዊ ዓቕምናን ሕቡእ ብልሕናን ንጠቐመሉ፡፡ ከምዚ እንተ ዘይገይርና ግን፡ ግዳይ ናይዚ ጸቕጢ ኴንና መኣዝንና ከነጥፍእ ንኽእል። ስለዚ፡ ንሕርቃን ከም መመቀሪ ህይወትናን ከም መለክዒ ምስ ገዛእ-ርእስናን ከባቢናን ዘሎና ዝምድናን ክንወስዶ ይግባእ።

 ምንጪ፡internet


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com