Friday , April 19 2024
Foto: Johan Nilsson/TT

መሐንበሲ ቦታታት ሽወደን ምምሕያሽ ኣርእዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት መምዘኒ ብቕዓታት ኣውሮጳዊ ሕብረት መሐንበሲ ቦታታት ሽወደን ምምሕያሽ ኣርእዩ ተባሂሉ።

ሽወደን ብመምዘኒ ብቕዓትን ድሕነትን መካናት መሐንበሲ ዝሓሸት ሃገር እያ ክብል ብሰብመዚ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ካብ 436 ቦታታት መሐንበሲ 410 ዝኸውን ኣዝዩ ብሉጽ፥ ጽቡቕ ወይ ኣዕጋቢ ተባሂሉ ክምደብ እንከሎ ካብ ናይ ዓሚ ብኽልተ ሚእታዊት ክብ ዝበለ ውጽኢት ምርኣዩ ኸኣ ተገሊጹ’ሎ።፡

ብመሰረት ጸብጻባት በዓልመዚ ማይን ባሕርን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣውሮጳዊ ሕብረት 80 ንዝኾና መካናት መሐንበሲ ብሰንኪ ቀረብ ዘይጥዑይ ማይ ምቹኣት ኣይኮናን ኢሉ መዲብወን ምንባሩ ይፍለጥ።

“ይዂንምበር ግቡእ ዝኾነ ናይ መርመራ መስርሕ ዘይተኻየደለን ብዙሓት መካነ መሐበሲታት ኣለዋ። እዞም ናሙናታት ንምውሳድ ዘኽእል ግቡእ ምምሕዳራዊ መስርሕ እውን ኣይካየድን እዩ ዘሎ” ትብል ኣብቲ ክፍሊ ብምርምር እተገልግል Katrina Vartia።

ብዙሓት በጻሕቲ ዘአንግዳ 436 መሐንበሲ ማእከላት ኣውሮጳ ኣብ ሽወደን ከም ዝርከባ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com