Thursday , April 25 2024

መራሕቲ ኣውቶቡሳት፡ ዝያዳ ተሳፈርቲ ንኸይስቀሉ ንምኽልካል ዘፍቅደሎም ሕጊ ንኽህሉ ይሓቱ

ኣብ ኣውቶቡሳት ዝረአ ብዝሒ ተሳፈርቲ ንምቁጽጻር፡ መራሕቲ ኣውቶቡሳት፡ ዝያዳ ተሳፈርቲ ንኸይስቀሉ ክኽልክሉ ዘኽእሎም ሓድሽ ሕጊ ንኽፍቀድ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ስቶክሆሎምን ኩባንያ SL ከምዝሓተቱ TT ሓቢሩ።

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ስልጣን መራሕቲ ኣውቶቡሳት ንምውሳኽ ዘኽእል ጠለብ ናብ መንግስቲ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ናብ ከባቢ ኣውቲስታ ዝቐረቡ መናብር ተኸልኪሎም እካ እንተሃለዉ፡ ኣብ ኩለን ኣውቶቡሳት ግን ኣይኮነን። እዞም ዝተኸልከሉ መናብር ብጠለብ ኣውቲስታ እምበር ብሕጊ ዝተደገፉ ኣይኮኑን።

ኣብ እዋን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ኣውቶቡሳት ዝተራእየ ዕልቕልቕ ተሳፈርቲ  ኣካታዕን ኣስጋእን ኩነታት ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com