Saturday , April 20 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

መርመራ ኮሮና ዝግበረሎም ሰባት እናወሓዱ ምምጽኦም ተገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን መርመራ ኮሮና እተገብረሎም ሰባት 28800 ጥራይ ምንባሩን እዚ ድማ ቊጽሪ ተመርመርቲ እናነከየ ምምጽኡ ዘረድእ እዩ ተባሂሉ። እቲ ኣብ ሰሙን 100 ሽሕ ንምምርማር እተታሕዘ ሸቶ ምስዚ እንክነጻጸር ኣዝዩ ዘይመጣጠን ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። ዝሓለፈ ሰሙን እተመርመሩ ምስታ ኣቐዲማ ዝነበረት ሰሙን ብምውድዳር ብ 4000 ከም ዝውሕዱ ዘመልከተ ክፍሊ ስታቲስቲክስ ሽወደን እታ ሃገር ኣብ ሰሙን 100 ሽሕ ሰባት ናይ ምምርማር ብቕዓት እኳ እንተሃለዋ ነገራት ግና ናብ ግጒይ ኣንፈት እዮም ዝኸዱ ዘለዉ ኢሉ። ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲን ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕናን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ናብ ሕክምና ዝመጹ ሕሙማት ክውስኹ ከም ዝኽእሉ እኳ ኣሚቶም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሌና ሃለንግረን ኣብ ምውዳእ እዛ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣውራጃታት ክንድቲ ዝግባእ መጠን መርመራ ካብ ዘይገበራሉ ምኽንያታት ሓደ ዋሕዲ ሎጂስቲክ ምዃኑ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com