Saturday , April 20 2024

መሰረታውያን ደፋእቲ ሓይልታት (Evolutionary Forces)

ኣማኑኤል ሳህለ

ኩሉ ፍጥረት፡ ዚረአ ይኹን ዘይረአ፡ ቀጻሊ ዚኽተሎ ሕግታትን ኣገባባትን ኣለዎ። ካብኡ ምልጋስ ጸገማት ስለ ዘኸትል ከኣ፡ እዚ ሕግታትዚ ከም ሓቂ ኪውሰድ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዚ እቲ ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚኸይድ ዘሎ ይመስል። ተጋግዩ ክንብሎ ግን ኣይንኽእልን። ንዓና ብዘይርደኣና ተወሳኺ ሕግታት ኪምራሕ ይኽእል እዩ። ገለ ፍጻመታት ጸኒሑ ማለት ኣእምሮ ሰብ ምስ ማዕበለ ኪግለጽ ዘለዎ ሓቂ እዩ።

ፊዚካውን ከሚካላውን ሕግታት ብምጽናዕ፡ ንውጽኢታት ነገራት ብገለ ወገናቱ ክትግምት ወይ ክትንበ ይከኣል እዩ። ነቲ ብዝኾነ ዓይነት መምዘኒ ኪልካዕ ዘይክእል ባህርያት ሰብን፡ ኣብ ባህርያት ወድሰብ እተሞርኮሰ ማሕበራዊ ንጥፈታትን ፍጻመታትን ግን ብሳየንሳዊ መገዲ ኣጽኒዕካ ዘኸትሎ ሳዕቤናትን ውጽኢታትን ንምትንባይ ብመጠኑ ይከኣል እኳ እንተ ኾነ፡ መብዛሕትኡ እዋን ግን ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ዓለምና ክንመዝኖ ዘይንኽእል ምስ ስምዒታትን እምነታትን እተዛመደ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ኪምዘን ወይ ኪዕቀን ዘይክእል ነገር ድማ ኣብ ሳየንስ ኪኣቱ ኣይክእልን። ከተንብየካውን ኣይክእልን።

ውልቃዊ ሓይሊ (the power of one) ነቲ እቲ መዓልታዊ ብውልቃዊ መገዲ እንሓስቦን እንትልሞን እነተግብሮን ንጥፈታት የንቀሳቕስ። ማሕበራዊ ሓይሊ (social forces) ነቲ ብማሕበረሰብኣዊ መገዲ እንሓስቦን እንትልሞን እነተግብሮን ንጥፈታት ይድርኽ። እቲ ግሎባላዊ (ዓውለማዊ) ሓይሊ ግን ነቲ ኣብዛ ዓለም ዝካየድ ማሕበረሰብኣውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ንጥፈታትን ኩነታትን ደሚሩን ደማሚሩን ቀሚሩን ብዳየለክቲካዊ መገዲ ዚጎዓዝ ታሪኻዊ መስርሕ ወይ ታሪኻዊ ሓይሊ (historical forces) እዩ።

ንውልቃዊ ሓይሊ ብመጠኑ ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና። ንማሕበራዊ ሓይሊውን ብገለ ሸነኻቱ ክንቆጻጸሮ ንኽእል። ንግሎባላዊ ወይ ታሪኻዊ ሓይሊ ግን ብፍጹም ክንቆጻጸሮ ኣይንኽእልን። ወድሰብ ንነብሱ ኪቆጻጸር ይኽእል ይኸውን፡ ሓደ ማሕበረሰብ ግን ኣብቲ ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ኣካይዳኡ ዘለዎ ቍጽጽር ምሉእ ኪኸውን ኣይክእልን። ካብኡ ቀጺሉ እቲ ብግሎባላዊ ድፍኢት ዚካየድ ዓለምለኻዊ ወይ ዩኒቨርሳላዊ ንጥፈታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እዩ።

ታሪኻዊ ሓይሊ ናበይ ከም ዚወስደና ብመጠኑ ክንግምት ንኽእል እኳ እንተ ኾንና፡ ብልክዕ መገዲ ግን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን። ሽሕኳ ታሪኻዊ ሓይሊ በቲ ሕጂ እንፍጽሞ ውልቃውን ማሕበራውን ተግባራትን ኩነታትን ዚጽሎ እንተ ኾነ፡ ነዚ ከም መመርኮሲ ጌርና፡ ከም ደቂሰብ ናብዚ ገጽና ንኸይድ ኣሎና፡ ከምዚ ኪጓነፈና እዩ ኢልና ኣፍና መሊእና ክንዛረብ ግን ኣይንኽእልን።

እንታይ እዩ ምኽንያቱ? እቲ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ታሪኻዊ ሓይሊ ኽንቆጻጸሮ ዘይምኽኣልና እዩ። ታሪኻዊ ሓይሊ ነቲ ኣብ ዓለምና ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ዚካየድ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ተክኖሎጂያውን ምዕባሌታትን፡ ናይ ወድሰብ እተፈላለየ ኣተሓሳስባን ርእይቶን እምነታትን ራእይን ድራኸን ጠቕሊሉ፡ ጸሚቑ፡ መስሪሑ (ፕሮሰስ ገይሩ) ወድሰብ ኪቆጻጸሮ ብዘይክእል መገዲ ሓደስቲ ተርእዮታትን ፍጻመታትን ኩነታትን ዚፈጥር ወይ ዘቕርብ ሓይሊ እዩ።

እዚ ሓድሽ ተርእዮታትን ፍጻመታትን ኩነታትን ተመሊሱ ነቲ ውልቃዊ ሓይሊ እውን ይጸልዎ እዩ፡ ማለት እቲ ዚፍጠር ሓድሽ ሃዋህው ኣብቲ ናይ ውልቀሰብ ባህርያት ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ለውጢ የምጽእ እሞ፡ እዚ ድማ ብወገኑ ብድሕሪ ነዊሕ መስርሕ ኣብቲ ማሕበራዊ ሓይሊ ጽልዋ ይገብር፡ ማሕበራዊ ሓይሊ ድማ ብግደኡ ኣብቲ ግሎባላዊ ወይ ታሪኻዊ ሓይሊ ጽልዋ ይገብር።

ይኹንምበር፡ ሽሕኳ ውልቃውን ማሕበራውን ኣካይዳና ኣብ ታሪኻዊ ሓይሊ ጽልዋ ዚገብር እንተ ኾነ፡ ንታሪኻዊ ሓይሊ ግን ክንቅይሮ ወይ ክንቆጻጸሮ ኣይንኽእልን። ብተግባራትናን ኣካይዳናን ግን ነቲ ጕዕዞኡ ከነቐልጥፎን ከነደንጕዮን ንኽእል ኢና።

ከም ኣብነት ፍረ ዳዕሮ ንውሰድ። እዛ ፍረዚኣ ኩሉቲ ንመጻኢ ኪኸውን ዘለዎ ንጥፈታት ኣብ ውሽጣ ሒዛቶ ኣላ፡ ማለት ምስ ተኸልካያን ማይ ምስ ኣስተኻያን፡ ነቲ ናይ ዳዕሮነት ባህርያት ንምግሃድ ክሳዕ መወዳእታ እያ እትቃለስ። ኣብ መንጎቲ ህይወታዊ ጕዕዞኣ፡ ማይ ትስእን ትኸውን፡ ወይ ብገለ ብከላ ዕብየታ ይድንጒ ይኸውን፡ ወይውን ቅሩብ ምስ ዓበየት ጨናፍራ ይቝረጽ ይኸውን፡ ግን ነዚ ኹሉ ሰጊራ ዓባይ ዳዕሮ ኾይና፡ ንኣዕዋፍ ኣጽሊላን ኣዓንጊላን እያ እትነብር። እዚ እቲ ኢቮሉሽናዊ ዕላማኣ እዩ። ነዚ ኪጠውዮ ዚኽእል ሓይሊ ድማ የልቦን። ክትልውጣ በዝን በትን እንተ መጻእካያ እውን፡ ናይ ብርቱኻን ፍረ ወይ ናይ ጽገረዳ ዕምባባ ከተብቁለልካ ኣይትኽእልን። ምዱብነት (determinism) ዚብሃል ሓይሊ ኣብኣ ስለ ዚሰርሕ፡ በቲ እተመደበላ መገዲ እያ እትኸይድ።

ይኹንምበር፡ ነቲ ናይ ምዕባይ ጕዕዞኣ ከተቐልጥፎን ከተደንጉዮን ትኽእል ኢኻ። መዓልታዊ ማይ ብምሃብን፡ ኣቝጽልታ በብወርሓቱ ብምቝራጽን፡ ጨናፍራ ብምጽልጻልን ብምምልማልን ነቲ ዕቤታ ከተቃላጥፎ ከሎኻ፣ ማይ ብምኽላእን፡ ብዘይ ምዅስኳስን…ወዘተ… ነቲ ናይ ምዕባይ ፍጥነታ ከተዳኽሞ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናብ ዳዕሮነት ዚወስድ ጕዕዞኣ ግን ደው ከተብሎ ኣይከኣልን። ማለት: ክትበቁል ምስ እትገድፋ፡ ዳዕሮ እያ ክትከውን፡ ካልእ ክትከውን ኣይትኽእልን።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ዓለም (ከም ሕብረተሰብኣዊት ኣካል) ክትበጽሖ ዘለዋ ብታሪኻዊ ሓይሊ ዚድረኽን ዚምራሕን ኣካይዳ ኣለዋ። እዚ ኣካይዳ’ዚ ምናልባት ናብቲ ንወድሰብ ዩኒቨርሳላዊ ንቕሓት ዚህልወሉ ደረጃ ዘእቱ ጕዕዞ ኪኸውን ይኽእል። ግን እዚ ብዘየገድስ፡ ወድሰብ ነቲ ምዱብ ታሪኻዊ ሓይሊ ኪልውጦ ኣይክእልን። ብተግባራቱን ንጥፈታቱን ኣካይዳኡን ገይሩ ግን ነቲ ጕዕዞ ብመጠኑ ከደንጕዮን ከቐልጥፎን ይኽእል።

ወድሰብ ኣብ ተፈጥሮን ኣብ ከባቢኡን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራውን ቁጠባውን ከባቢኡ ኪዋሳእ ባህርያቱ ይድርኾ እዩ። ዝሓስብ ብምዃኑ፡ ንተፈጥሮኣውን ማሕበራውን ኣከባቢኡ ኪልውጥ ይፍትን፡ ይቃለስ፡ ይዕወት ወይ ይስነፍ። እቲ ንለውጢ ዚህንጠ ባህርያቱ ምስኡ እተፈጥረ እዩ። ካብ ደረጃ እንስሳ ናብ ደረጃ ሰብ ከም ዝሳገር ዝገበሮ ድማ እዚ ድራኸዚ እዩ።

ንሕና ከም ዚሓስብን ሕልና ዘለዎን ሰብ ኣብዛ ዓለም ክንነብር ከሎና፡ ነቲ ሕማቕ ናብ ጽቡቕ ክንመልስ፡ ነቲ ቄናን ከነቕንዕ፡ ነቲ ዘይፍትሓዊ ናብ ፍትሓዊ ክንቅይር፡ ነቲ እተሰብረ ክንጽግን፡ ነቲ ዝፈረሰ ክንሃንጽ እንተ ዘይፈቲንና፡ ብኸመይ መገዲ ደኣ ኢና ከይጸነትና ክንቅጽል እንኽእል?

ስቕ ኢልካ ምርኣይ፡ ኣብቲ ዚኽሰት ገበናትን ግፍዕን ከም ምስታፍ ኮይኑ ስለ ዚረአ፡ ንሕና፡ ናይቲ ብእተመደቦ መገዲ ዚኸይድ ታሪኻዊ ሓይሊ ብዘየገድስ፡ ምእንቲ ሓቂ ክንጣበቕን ክንቃለስን ተፈጥሮኣዊ ግዴታ ኣሎና።

ከምኡ ምስ ዘይንገብር ግን፡ እቲ ካብ እንስሳታት ዚፈልየና ባህርያዊ ጋግ እናጸበበ ከም ዝኸይድ ክንግንዘብ ይግባእ። ምስ ምንዋሕ ግዜ ድማ ኣብቲ ናታቶም ደረጃ ክንኣቱን ከማታቶም በብቕሩብ ክንጸንትን ንኽእል ኢና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com