Wednesday , April 24 2024
BAGU BLANCO/BPI/REX/SHUTTERSTOCK/TT

መሲ ዘይንቅነቅ ክብረወሰን የስፍር ሶልሻየር መሉእ ብሉእ ይምርሽ!

ባርሰሎና ሎሚ ምሸት ን ክለብ ኤባር ኣብ ሜዳ ኖ ካምብ ዓዲማ 3 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ መሲ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ መበል 400 ሸትኡ ጸንቢሉ።

ኣብ ዓበይቲ ሊጋት ኤውሮጻ ነዚ ብዝሒት ሸቶታት ዝበጽሖ መሲ ጥራይ ብሙኻኑ ብሕጂ ነዚ ብዝሒ ሸቶታት ክደፍሮ ዝኽእል ከምዘየለ እዩ ዝዝረብ ዘሎ። መሲ ነዚ ብዝሒ ሸቶታት ዝበጽሖ ኣብ መበል 435 ናይ ላሊጋ ጸወትኡ እዩ።

ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ብሓዱሽ ኣሰልጣኒኣ ሶልሻየር ተሰንያ ኣብ ፕሪመር ሊግ ካብ 5 ጸወታ 5 ዓወት ኣብ ሓፈሻዊ ጸወታታት ድማ ካብ 6 ጸወታታት 6 ዓወታት ብምምዝጋብ ኣብ ምምራሽ ትርከብ።

FACUNDO ARRIZABALAGA/TT

ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ሓላዊ ልዳት እዛ ጋንታ ዲ ሃያ ን 11 ፈተንታት ተተመጢጡ ብምምካኑ ብሉጹነቱ ኣመስኪሩ።

ኣብዚ ጸወታ መመሊሱ ዝደምቕ ዘሎ ኣከፋፋሊ ፖግባ ብዝሃንደሳ ራሽፎልድ ብዘመዝገባ እያ ማንቸስተር ዩናይትድ ን ቶተንሃም ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ስዒራታ።

በዚ ናይ ሎሚ ዓወት ተሓጊዛ ነጥባ ናብ 41 ክብ ብምባል ምስ ኣርሰናል ተመዓራርያ ናብቲ ቀንዲ ትልማ ዘሎ ናይ 4ይ ደረጃ ኣብ ምግስጋስ ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com