Tuesday , April 23 2024

መስርሕ ምትላል ኣብ ፈተናታት መምርሒ ፍቓድ መኪና

መምርሒ ፍቓድ መኪና ንምርካብ ዝውሰድ ክልሰ ሓሳባዊ ፈተና ድሕሪ 2015 ዓሎቕ ዝመልኦ ኣካይዳ ይረኣዮ ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።
እዚ ሽግር ኣብ መላእ ሃገር ከም እተላብዐ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ቅልውላው ኮሮና ከም ዘስፋሕፍሐ ዝፍለጥ ኮይኑ ንጉዳያት ዓሎቕ ኣብ ምፍላጥ በዓልመዚ ትራፊክ ቫርምላንድ እቲ ዝሐሸ ምዃኑ ይንገር።
ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝካየዱ ክለሰ ሓሳባዊ ፈተናታት፡ ኣጃም ቫርምላንድ 3.3% ኮይኑ፡ እቲ 8% ናይ ዓሎቕ ፈተነ ድማ ኣብዚ ምምሕዳር ከምተኸሽሐ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምትላል ኣብ መላእ እዛ ሃገር እዩ ተላቢዑ ዘሎ” ይብል ዋና ኣዛዚ ትራፊክ ኣንከ ዩል። እንተኾነ ግና ዓሎቕ ኣብ ምኽሻሕ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኢና ዘሎና”።
ሰባት ክልሰ ሓሳባት መርመራ ብምትላል ንምሕላፍ ዝድረኹሉ ዘለዉ ምኽንያት ናይ ቋንቋ ሕጽረት እዩ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ናይ ክልሰ ሓሳባት መርመራ ብ 14 ቋንቋታት ከም ዝወሃብን እቲ ናይ መምርሒ መካይን ማኑዋል ብ 6 ቋንቋታት ከም ዝርከብን ገሊጹ።
ይኹንምበር፡ እቲ ዝምህሮም ሰብ ነቲ ዘንብብዎ ማኑዋል ዘይርዳእ ምስ ዝኸውን ፍቓድ መምሃሪ ናብ ዘይብሉ ሰብ ክኸዱ ይግደዱ ምህላዎም ድማ ተገሊጹ። እዘን ጸሊም ዕዳጋታት ድማ ነዞም ተመሃሮ ኣብ ዓሎቕ ንኸዘንብሉ ይደፋፍኣኦም ምዃነን ከም ዝጥርጠርን፡ ብዛዕባ ፍቓድ ምዝዋር መኪናን ኣረኻኽባኡን ዝምልከት፡ ብሓፈሻ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ምህላዉ፡ ካልእ ጠንቂ እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ቱርኪ፡ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ክመሃር እንተ ዝኸይድ እሞ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ እንተዝረክብ ናብኡ ምኸድኩ ክትብል ከም ኣብነት ጠቒሳቶ።
ናብ ጸሊም ዕዳጋ ምኻድ ክሳራ እምበር መኽሰብ የብሉን። ርግጽዩ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ዝነበረ መርመራ ክልሰ ሓሳባት ብሃውሪ ዝተኻየደ ምስ ምንባሩ ብዙሓት ክንሓልፍ ኣይንኽእልን ኢና ኣብ ዝብል ሰንኮፍ መደምደምታ ክበጽሑ ከም ዝገበሮምን ናብ ጸሊም ዕዳጋ ገጾም ሃሰው ንኽብሉ ምኽንያት ምንባሩን ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ምትላል ብቐሊል ዝረአ ጉዳይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ ናይ ሕጂ ተመሃራይ ጽባሕ ንግሆ መኪና ክሕዝ እዩ፡ እዚ ድማ ውሕስነት ትራፊክ ሽወደን ዘይጻወሮ ኩነት እዩ ክትብል ድማ ኣብሪሃ።
ካብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣትሒዙ ንኸምዚ ዝበለ ናይ ምትላል ገበን ክሳብ 6 ወርሒ ዝጸንሕ ማእሰርቲ ከም ዝተበየነ ተገሊጹ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com