Friday , April 26 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ንምምሕዳራትን ፖለቲካውያን ኣካላትን፡ ተወሳኺ ስልጣን ዝህብ ግዝያዊ ሕጊ ንምእዋጅ ይዳሎ

መንግስቲ ሽወደን፡ ንምምሕዳራትን ካልኦት ፖለቲካውያን ኣካላትን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ዝሕግዙ ኣገባባት ንኸተኣታትዉ ዘኽእል ተወሳኺ ስልጣን ዝህብ ግዝያዊ ሕጊ ንምእዋጅ ይዳሎ ምህላዉ ጋዜጣ ዳጊንዝ ኒሂተር ሓቢሩ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ መጠን ብዝሒ ተሳፈርቲ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ምምጣን፡ ሰዓታት ስራሕ ምስትኽኻልን ብዝሒ ናብ ኣብያተ ንግዲ ዝበጽሑ ሰባት ምምጣን ዝኣመሰሉ ስልጣን ዝህብ እዩ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ምስ ቅዋማዊ መሰል ብሕታውነት፡ ዝጻረር ንኸይከውን፡ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ስለዘለዎ፡ ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ምስ ተኻየደ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንትግባረ ክበቅዕ እዩ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com