Friday , April 26 2024

መንግስቲ ሽወደን ንኩለን ምምሕዳራት ኣብ ስርዓተ ድሕነትን ንምሕጋዝ 5 ቢልዮን ክሮና ምምዳቡ ተገሊጹ።

ኣብ 2020 መንግስቲ ሽወደን ምምሕዳራት ከተማን ዝተፈለለያ ናይ ድሕነት ማሕበራትን ንምምዋል ናይ 5 ቢልዮን ክሮና ማል ምምዳቡ ሎሚ ገሊጹ። ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊን ኣንደርሰን ሎሚ ንወከልቲ ፖሊሲ ቊጠባ ኣርባዕቲአን ሰልፊታት ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ኣቐዲሙ እተሓስበ ምጒዳል ወጻኢታት ብምስራዝ ምምሕዳራት ከተማ ኣብዚ ዓመት ዝመጸን ገንዘብ ብኣግኡ ከነፍልጠን ኣሎና ኢላ። ብመሰረት እዞም ተወሰኽቲ ቢልዮናት ካብ 36 ሽሕ ዘይበዝሕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ምምሕዳር ከተማ ኣብዚ ዝመሓየሽ ባጀት ጽድያ 12 ሚልዮን ክሮና ክበጽሓ እዩ።

እዞም ምወላታትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ክመቓርሑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካዚ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸጥታ ንምዕባይ ከምኒ ምሕያል ስራሕ ፖሊስ፡ ምክትታል ኣብያተ ማእሰርትን ናይ መርመራ ኣገባብን ዝበሉ ዕማማት ንምስላጥ ፋይናንሳዊ ወፍሪ ይገብር ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ሓጋጊ ኣካል ክሳብ 400 ሚልዮን ክሮን ክበጽሖ ምዃኑን ካብዚ እቲ 180 ሚልዮን ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኢሚግሮሬሽን ክኸይድ ምዃኑን ድማ ተመልኪቱ’ሎ።

ምምሕዳር ግምሩኽ ክሕይል ከም ዝግበርን ንምክትታል ዳታ ተወሳኺ ፋይናንስ ክመቓራሕ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ። ጸጋማዊ ሰልፊ ድሕነት ሽውደን ንምሕያል 100 ቢልዮን ክሮና ዓቃባዊ ሰልፊ ንተመሳሳሊ ዕላማ 3 ቢልዮን ክሮና፥ ክርስትያን ዴሞክራትስ ከኣ 6.7 ቢልዮን ክሮና ሓቲቶም ምህላዎም ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com