Friday , April 26 2024

መንግስቲ ሽወደን ካብ 50 ሰብ ንላዕሊ ምእካብ ከልኪሉ።

መንግስቲ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ሃገራዊ ብድሆ ብዝምልከት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ሕጹጽ ኣኼባ ካብ 50 ሰብ ምእካብ ኩሉኩል ምዃኑ ሓድሽ ዉሳነ ከምዘማሓላለፈ፣ መራሒ መንግስቲ ስቴፋን ሎቨን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ኩሎም ብምኽንያት በዓል ኣፋስጋ መገሻ ዝሓስቡ ሰባት መገሻ ከቁርጹን፣ ህዝቢ ብዕቱብ ንዝዋሃብ ሓበሬታ መምርሕታትን ከተግብር መኺሩ። ኣብ እዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ከምዘለናን፣ ኣብ ሓጺ ግዜ ኩነታት መነባብሮና ይቀያየር ኣሎ፣ ዝበለ እቲ መራሕ መንግስቲ ስራሕናን ጥዕናን ኮታ ኩሉ ሂወትና ኣብ ታህዲድ ቫይረስ ኮሮና ከምዝወደቐ ብምስትብሃል ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ተማሕጺኑ።

በዚ መሰረት መንግስቲ ተወሰኽቲ ዉሳነታትን መምርሕን ከስዕብ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ኣቐድም ኣቢሉ ካብ 500 ሰባት ንላዕሊ ምእካብ ዝኽልክል ዝነበረ ጎዲሉ ናብ 50 ሰባት ወሪዱ ከምዘሎ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com