Friday , April 26 2024

መንግስቲ ኖርወይ፡ ቀይድታት ኮሮና የትርር

መንግስቲ ኖርወይ፡ ንመምርሒ ቀይድታት ኮሮና ከትርር ምዃኑ፡ ሎሚ ገሊጹ ክብል SVT ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢላ፡ ኦስሎ፡ ኣብ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ዘለዎ ከባቢታት፡ ካብ ሓደ ሜትሮ ንላዕሊ ርሕቀት ኣብዘይብሉ ኣከባቢ፡ ናይ ኣፍ ማስክ፡ ምውዳይን ካብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ባራትን ቤት ምግብታትን ዕጹው ንኽኸውን ሓቢራ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ሎሚ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መምርሒታት፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ 5 ዝኾኑ ኣጋይሽ ጥራይ ክቕበሉ ከምዝግባእ፡ ህጻናት ግን ኣብ ቁጽሪ ከምዘይኣትዉን ብዝሒ ናይ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ዝነበረ፡ 50 ሰባት፡ ናብ 200 ሰባት ክብ ከምዝብል ሓቢራ። እቶም ካብ ከም በዓል ሽወደን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጹ ኣጋይሽ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ መዓልታት መርመራ ከካይድ ከምዝግባእ ሓቢራ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com