Thursday , March 28 2024

መንግስታዊ ባጀት 2019 ኣስታት 112 ቢልዮን ክሮና ትርፊ ኔርዎ ተባሂሉ።

ትርፊ ባጀት ማእከላይ መንግስቲ ሽወደን 112 ቢልዮን ምንባሩ ተገሊጹ። እዚ ምስ ሃገራዊ ቢሮ ሽወደን እንክነጻጸር ዝወሓደ እዩ ተባሂሉ’ሎ።፡ እዚ ክሳብ 69 ቢልዮን ክሮና ዝበጽሕ ብተዛማዲ ዓብዪ መጠን ገንዘብ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ብምኽንያት በዓልመዚ ሃገራዊ ዕዳ ዝተኸስተ እዩ ተባሂሉ’ሎ። . ብተመሳሳሊ ዓመተ 2019 ዝሕታለ ቊጠባ ዝተራእየላን እዚ ድማ ኣብ ምውሳኽ ቀረጽ ዘስዓበ ተርእዮ ምንባሩን ምስ 2018 ብምውድዳር ወጻኢታት መንግስቲ ብዘገምታ ዝወሰኸላ ምንባራን ድማ ተመልኪቱ’ሎ።

ኣብ ወጻኢታት መንግስቲ ዝተገብረ ዝዓበየ ምቚራጽ ወጻኢታት ኣብ ዙርያ ዕዳጋ ሽቕለትን ኢሚግሬሽንን ኮይኑ በንጻሩ መንግስቲ ንምምሕዳራት ዝገብሮ ድጎም ምውሳኹ ግና ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳኣ ዕዳ መንግስቲ 1111 ቢልዮን ክሮና ምንባሩን ምስ ዕዳ 2018 እንክነጻጸር ብ 149 ቢልዮን ክሮና ዝወሓደ ምንባሩ ተገሊጹ’ሎ። ዝሃለፈ ወርሒ ነሓሰ ክፍሊት ማእከላይ መንግስቲ ንባዕሉ ናይ 98.4 ቢልዮን ክሮና ደፊሲት ከም ዝነበሮን ትንበያ በዓልመዚ ዕዳ ከባቢ 87.2 ቢልዮን ምንባሩን ብተወሳኺ ተሓቢሩ’ሎ።

እዚ ብቐጥታ ዝእምቶ ነገር እንተሎ ዝተኣከበ ቀረጽ ካብቲ ዝተተለመ ብ 15 ቢልዮን ዝወሓደ ምንባሩን እዝክ ድማ ብምኽንያት ምውራድ ክፍሊት ቀረጽ ዝመጸ እዩ ተባሂሉ። ብጠቕላላ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቀረጽ እተኣከበ ማል ክሳብ 13 ቢልዮን ከም ዝበጽሕን ካብቲ ዝተሓስበ ዝተሓተን ምንባሩ ተገሊጹ። እዚ ድማ ብቐንዱ ካብ ጸብጻባት ቀረጽ ዝተረኽበ ልዑል ቀረጽ እዩ። .


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com