Tuesday , April 23 2024

መን እዮም ሳመራውያን

ሳመራውያን፡እቶም ብሽወደን፡ ወግዓዊ ኣፍልጦ ወይ ተቐባልነት ዘሎዎም እንኮ ደቀባት እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ፊንላንድን ራሻን ድማ ይነብሩ። ኣብ ሽወደን፡ ከባቢ 20,000 ዝኾኑ ሳመራውያን ኣለዉ። ሳመራውያን፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፡ ኣብ ሃድን፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኢደ ጥበብን ኣብ መፍረ ዓጋዘንን ዝተዋፈሩ እዮም። ሳመራውያን፡ ነቲ እንስሳ ዘገዳም ዝኾነ ሸውዓተ ቀርኑ፡ ናብ እንስሳ ዘቤት ክቕይሩ ዝበቕዑ ህዝቢ እዮም። 06 የካቲት ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ሳመራውያን እዩ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ከተማ ትሮንድሃይም ነርወይ ኣብ 06 የካቲት 1917 ዓ/ም ዝተኻየደ ናይ ሳመራውያን ናይ መጀመርታ ሃገራዊ ምትእኽኻብ’ዩ እታ ዕለት ሃገራዊት መዓልቶም ክትከውን ጸዲቓ።

ንኣስታት 600 ዓመታት ዝኸውን፡ ሽወደንን ፊንላንድን ሓንቲ ሃገር ስለ ዝነበራ፡ ናይ ሽወደን ፊንላንዳውያን ወይ ’ስቫርያ-ፊናር’ ካብ ማእከላይ ዘመን ኣትሒዞም ኣብ ሽወደን ክነብሩ ጸኒሖም። ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ 450,000-600,000 ዝኾኑ ናይ ሽወደን ፊንላንዳውያን፡ ኣብ ሽወደን ይነብሩ።

 እቶም ቋንቋ መኣንኪየሊ ዝዛረቡ ቶርነዳላውያን ብ1809 ዓ/ም ኣብ ክልተ ተኸፊሎም። ድሕሪ’ዚ ኸኣ፡ እቶም ብምዕራብ ዝነበሩ ምስ ሽወደን፡እቶም ብምብራቕ ዝነበሩ ድማ ምስ ፊንላድ ተጸንቢሮም። እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መሬት ሽወደን ዝነብሩ እምበኣር እቶም ንኡሳን(ማይኖር) ዝኾኑ ቶርነዳላውያን እዮም። ዓመተ 2014 ድሕሪ ዝተወስደ ውሳኔ መሰረት ብምግባር፡ 15 ሓምለ፡ ’ዝኽረ ዓመት’ ወይ ’ኣኒቨርሳሪ’ ናይ ቶርነዳላውያን ኮይና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com