Thursday , April 25 2024
Karin Wesslén / TT / kod 11940

መጠነ ሞት ኣብ ሽወደን ይንኪ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ወርሓ ግንቦት መጠነ ሞት ሕሙማት ኮሮና ሽወደን እናነከየ ምምጽኡ ክፍሊ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። እዚ ምንካይ ብፍላይ ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ብፍላይ ዝለዓለ ምዃኑ ብኣንጻሩ ግና ኣብ ቫስትራ ጉትላንድ መጠን ሞት ሕሙማት ኮሮና ምውሳዂ ተገሊጹ’ሎ። ካብ መፋርቕ ሚያዝያ ጀሚሩ ሰሙናዊ መጠነ ሞት ዜጋታት ምንካዩ ድማ ተገሊጹ’ሎ። እቲ ዝኸፍአ ግዜያት ሞት ክሳብ መፋርቕ ሚያዝያ ዝነበረ ምዃኑን ኣብዚ እዋን ብማእከላይ ገምጋም 106 ሰባት መዓልታዊ ክሞቱ ምጽንሖም ዘመልክተ እቲ ጸብጻብ እዚ ኣሃዝ እናነከየ ይመጽእ ምህላዉ ኣብሪሁ’ሎ። ኣብተን ዝቕጽላ ክልተ ሳምንታት መጠነ ሞት ናብ 83 ምጒዳሉን ክሳብ መፋርቅ ግንቦት ናብ 60 ምንቊልቋሉን ድማ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ኣብ መፋርቕ ግንቦት ዝነበረ መጠነ ሕማም ካብ 15 መጋቢት ንደሓር ናብ 100 ኣብ ሰሙን ክጸሪ ጸኒሑ’ሎ ይብል እቲ ጸብጻብ። “ካብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ንደሓር ብዝሒ ሞት ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልምን ከባቢኣን ብጻዕቂ ክረአ እዩ ጸኒሑ። ሕጂ እዚ ተርእዮ ይንኪ ኣሎ፥ ይዂንምበር ኣብ ኣውራጃ ቬስትራ ጉታላንድ ይውስኽ ኣሎ” ክብል ኣብ ክፍሊ ስታቲስቲክስ ተመራማሪ ቈጸራ ህዝብን ማሕበራዊ ድሕነትን ቶማስ ጆሃንሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ ቬስትራ ጉትላንድ ካብ ግንቦት 4–10 ኣብ ዝነበረ መዓልታት 401 ሰባት ብሕማም ኮሮና ምሟቶምን እንተኾነ ብሰንኪ ዋሕዲ ዜናዊ ስርሓት እቲ መጠነ ሞት ዝነከየ መሲሉ ከም ዝጸንሐ ኣመልኪቱ። ኣብ መንጐ ዓበይቲ ምምሕዳራት ከተማ ዘሎ ፍልልያት ዛጊት ዓብዪ ምዃኑ፥ ክሳብ 22 ግንቦት መጠነ ሞት ዮተበሪ ካብ ናይ ስቶክሆልም ዝዓቢ ምንባሩን ማልም ግና ዝበዝሐ ኣሃዝ ምምዝጋባን ድማ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com