Friday , April 19 2024

መጠንቀቕታ ካብ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን

ጽባሕ ሰሉስ፡ ኣብ ምምሕዳራት ዮምትላንድ፡ ቬስተርኖርላንድ፡ ያልቬሪቦሪ፡ ዳርላና፡ ቬርምላንድ፡ ኦረብሮን ቪስትማላንድን፡ ውርጪ (Snöstormar)፡ ክወርድ ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን ናይ ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ከምዘመሓላለፈ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ኣብ ሴሜናዊ ክፋል ሽወደን ዝርከባ ምምሕዳራት ዝወርድ ውርጪ፡ ካብ 5 ክሳብ 15 ሴንትሜተር ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ ክእክብ ከምዝኽእል፡ ኣብ ቪስትማላንድን ኦረብሮን ግን እቲ ውርጪ፡ ካብ 2 ክሳብ 5 ሴንትሜተር ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ ክህልዎ ከምዝኽእል ክግምገም ከምዝተኻእለን፡ ብሰንኪ ምውሳኽ መጠን ሙቐት ግን እቲ ኩምራ ቀልጢፉ ክሓቅቅ ተኽእሎታት ከምዘሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ይሕብር።

ትማሊ ሰንበትን ሎሚን፡ ኣብ ምምሕዳራት ኖርቦትን፡ ቬስተርቡተንን ቬስትርኖርላንድን በረድ ብምውራዱ ኣብ መስመር መጓዓዝያ ጸገማት ከምዝፈጠረ ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com