Thursday , April 25 2024

መጠንቀቕታ ካብ ኣርቤትስፎርሜድሊገን፡ ዓቢ ሕጽረት ኣለና ይብል

ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ልዕሊ 270 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣርቤትስፎርሜድሊገን ተመዝጊቦም ኣለዉ። ብሰንኪ እኹል ዝኾነ ምንጪ ዘይምህላዉ እቲ ኩነታት ኣብ ወጥሪ ምህላዉ ማሕበር መጠንቀቕትኡ ናብ ST ኣመሓላሊፉ ክብል መዕከን ዜና SVT ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብሰንኪ ምጉዳል ምንጪ ኣታዊ፡ ብድምር 4000 ሰራሕተኛታት ከምተፈነዉ ይዝከር። እዚ ዝኣክል ሕጽረት እንሃለወና ከምቲ ዝግባእ ክንሰርሕ ኣይክንክእልን ኢና ይብል ኣብ ኣርቤትስፎርሜድሊገን ኣባል ቦርድ ማሕበር ST ዝኾነ ዮሃን ኤክሉንድ።
እቶም ቀንዲ ግዳያት ክኾኑ ዝኽእሉ፡ እቶም ንነዊሕ እዋን ብዘይስራሕ ዝጸንሑ ሰባት እዩም ክብል ኤክሉንድ እጠንቂቑ። እዚኣቶም ድማ እቶም ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም እዩም፡ ይብል።
ኣብ ወርሒ ሰኔ፡ 470 ሽሕ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ተመዝጊቦም። ምስ ኣብ ወርሒ ሰነ 2019፡ ክነጻጸር እንከሎ ብ130 ሽሕ ብዝያዱ ተፈሊጡ። ብመሰረት ጸብጻባት ኣርቤትስፎርሜድሊገን፡ ኣብ ቀውዒ፡ እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።
መንግስቲ ሽወደን፡ ንሓጺር ዝዓለመ መደባት ይሰርሓሎም እኳ እንተሃለወ፡ ተወሰኽቲ ስጉምታት ክውሰዱ ከምዝግባእ ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኢቫ ኖርድማርክ ሓቢራ።
ኣብ ኣርቤትስፎርሜድሊገን ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፡ ቅድሚ ናይ ቀውዒ ባጀት ዝስላዕ ግን እኹል ሓበሬታ ሒዝና ክንጸንሕ ይግባእ። መንግስቲ ብወገኑ፡ ኣርቤትስፎርሜድሊገን፡ ዝግባእ ዕማሙ ንኽፍጽም ኣብ ጎኑ ደው ክብል ምዃኑ ንSVT ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሚኒስተር ዕዮ፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com