Saturday , April 27 2024

ሙዚቃን ዝኸርታቱን

ሙዚቃ ብዝኽሪ ንድሕሪት ሒዙካ ዝውንጨፍ ሮኬት’ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ቅጽበት፡ ዝኽሪታትካ ዝቕስቅስ ሓይልን መልእኽትን ኣለዎ። ከም ኣብነት፡ ናይ 60ታትን 70ታትን ደርፊ ዝሰምዐ ሰብ፡ ብቕጽበት ናብ’ቲ እዋን ክገይሽን ክሕንበብን ሓደ ይኸውን። ናብ ሕሉፍ ዕድመኡ ተመሊሱ ይዝክር፡ ይጠዓስ፡ የስቆንቁን፡ ይበኪ፡ ይሕበን. . .። ብሓፈሻ ናብ ናይ’ቲ እዋን ዝነበሩ መተዓብይቱ፡ መዛኑኡን ሂወቱን ብሽኩ-ሽኳ ዝኽሪ ሙዚቃ ኣቢሉ ይዕዘር። “ኣየ’ወ ክጥዕም፡ ክሓስም” እናበለ ድማ ኣብ ባሕሪ ዝኽሪ ጦምቦላሕ ኢሉ ይጥሕል። ምሉእ ውነኡን ሰብነቱን፡ ምስ ህርመት ናይ’ቲ ሙዚቃ የስቀጥቅጥን ይነቓነቕን። ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ስምዒታት ውሽጡን ትማልን ሃጽ ምባል ኣበይ ከይተርፍ። ኣብ ዝኽርታት ትማሊ ተወጢሑ ይፈራረቕ፡ ይደፋነቕ፡ ዝነብዕ’ውን ኣይሳእንን ይኸውን። ኩሉ ነገራት ናይ’ቲ እዋን ከም እምባ ኣብ ቅድሚኡ ቅጅል ቅጅል ይብሎ። ምስ ሰሓቕን ጸወታን፡ ተግባራትን ምንቅስቓሳትን ናይቲ እዋን የዕልል። ኣብቲ እዋን`ቲ ዝነበሩ ኣዕሩኽቱ፡ ቤተሰቡ፡ ናይ ፍቕሪ ሂወቱ . . . ወዘተ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ይሰኣሎ። እዚ እዩ ድማ ብርታዐን ሓይልን ሙዚቃ።

ሙዚቃ ከም ኵሕሊ ኣብ ዓይኒ፡ ኣብ ልቢ ዝተርፍ ወይ ዝሓድር ተናፋቒ ጣዕሚ’ዩ። እናሓንሳእ ክትሰርሖ ዝሓሰብካ ስራሕን ትምህርትን ኣረሲዑ፡ ብዝኽሪ ከም እትቝዝም ዝገብር መንፈስ ቅልጽም ኣለዎ። ነዚ ኢና ድማ፡ ሓይሊ ሙዚቃ እናበልና እንጠቕሶ። ሙዚቃ ከም ዝኾነ ድምጺ ብእዝኒ ጥራይ ዝስማዕ ነገር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ብሓምሽተ ህዋሳትና ዝስተማቐር ጥበብ እዩ። ኣብ ዓለሙ ድማ ሸኾርተት የብለካ። ከም ምጸ-ምጸ ዝረኣየ ንህቢ ብሓደ ትርግታን ስምዒትን የዕስለካ። ኣብ መትንታት ኣትዩ ከኣ፡ ሓሸውሸው የብለካ። ብኡ ኣቢልካ ድማ ንግዚኡ ትድሰት፡ ትሓዝን፡ ትዘናጋዕ፡ ትቓዝን፡ ተዕልል. . . ወዘተ። ሕርሕራይ ጌሩ ናብ ዓለሙ ይነቝተካ። ብኡ ኣቢልካ ምስታ ደርፊ ንደቓይቕ ምስ ተዓዘርካ ድማ፡ ድሕሪ ግዜ ናብ ውነኻ ትምለስ። ምስ ዘይትውድእ ግና ድምጽታት ልሳናትካ ከይተረፉ ይስዕሩኻ። ኣብ ፍጹም ከበባን ቁጽጽርን ሓይልታቱ ትኣቱ። ኣብቲ ዝነበረ ውግእ ድዩ ዋዛን ላዛን ጸወታ መዛኑ፡ ንእስነት፡ ዕርክነት፡ ልግስነት፡ ሓድነት፡ ጓይላ፡ ስራሕ፡ ትምህርቲ ብጽፍዒታት ቅኒታቱ፡ ከም ውንጅር ኣብ ቀላይ ውንጅር-ጅር ትብል። ግዝያዊ ጉዕዞን መገሻን ናብ ውዕሎን ብህሎን ሂወት ትማሊ። ከም ኣብ ጋላቢ ፈረስ ዝተወጥሐ ፈረሰኛ ምስ ተበገስካ፡ ናብ ጋህዲ ዓለምካ ዝመልሰካ እንኮ ነገር፡ ሰብ ምስ ዝህሉን እታ ደርፊ ምስ እትውዳእን’ዩ። ሙዚቃ ፈውሲ’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com