Saturday , April 20 2024

ማዕርነት ኣብ ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ሽወደን

ማዕርነት ክብሃል እንከሎ፡ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ኣገደስቲ መዳያት ህይወት፡ ማዕረ መሰላት፡ ግቡኣትን ዕድላትን ኣሎዎም ማለት እዩ። ጥርዚ ምዕሩይነት ንምብጻሕ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ንጹር ሽቶታት ኣቐሚጡ ይርከብ።ዓቕምታትን መሃዝነትን ናይ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብግቡእ ምጥቃም፡ ፍትሓውን ዕብየቱ ዘረጋገጸን ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጣርን ወሳኒ እዩ።

ሽወደን፡ ብብዙሕ መዳያት ማዕርነት ዘሎዋ ሃገር እያ። ዳርጋ 80% ኣብ መንጎ 20ን 64ን ዓመት ዝዕድሚአን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ደቀንስትዮ፡ ካብ ገዝአን ወጻኢ ይሰርሓ። እዚ ኸኣ ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ዓቢ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ከም ዝሽፍን ዘረድእ’ዩ። ግን ከኣ፡ ኣብ ስራሕ፡ ጉድለት ማዕርንት ይርአ እዩ። ደቀንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ እናሰርሓ እንከለዋ ትሕት ዝበለ ደሞዝ ይኽፈላ። ኣብ መሪሕነት ኩባንያታት፡ ብዝሒ ደቀንስትዮ ዝተሓተ እዩ። ኣብ ናይ ስድራን ስራሕን ዝርአ ናይ ስራሕ ምክፍፋል’ውን ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ፍልልይ ኣሎ። ደቀንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ደገ እናሰርሓ እንከለዋ፡ ናይ ስድራቤት ዕዮ ድማ ይውሰኸን። ብዙሓት ደቀንስትዮ፡ ምስ ወለዳ፡ ንደቀን ክኣልያ ንብዙሕ ግዜ እየን ካብ ስራሕ ዝእለያ።

መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት፡ ማዕርነት ንምምሕያሽ ካብ ምጽዓር ደው ኣይበለን። እቲ ክብጻሕ ዝድለ ዘሎ ዕላማ ኸኣ፡ ንኣብነት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ኣብ ጾታ ዘይኮነስ ኣብ ብቕዓት፡ ክእለትን ድልየትን ተመርኲሶም ሞያ ክመርጹ ኣለዎም። ኮይኑ ግን፡ ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ሞያዊ ፍልልያት ኣሎ። ንኣብነት ጽላት ምክንኻንን ምእላይን ብደቀንስትዮ ዝተዓብለለ ክኸውን እንከሎ፡ ጽላት ህንጻን ቴክኒክን ከኣ ብደቂ ተባዕትዮ ይዕብለል። ኣካየድቲ ስራሕ፡ ሓለቓታት፡ ከምኡ’ውን ናይ ውልቂ ትካል ዝጅምሩ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ምንጪ: information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com