Friday , April 26 2024

ምምሕዳር ሶልስቮርይ Sölvesborg ድሕሪ ምንጻግ ምቕባል ሓደሽቲ መጻእቲ፣ ምንብልባል ባንደራ ግብረሶዶማውያን ኣብ ምምሕዳሩ ይኽልክል!!

ገዛእቲ ሰልፍታት ምምሕዳር ሶልቨስቦርይ ኣብ ምምሕዳሮም ኣብ ክረምቲ ዝበዓል መዓልቲ ኩርዓት ግብረሶዶማውያን፣ ዝኾነ ዓይነት ባንደራ ን ግብረሶዶማውያን ዝውክል  ክይስቀል ከምዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

ኣባል ሰሊፊ ደሞክራት ዝኾነት ሉዊሳ ኤርክሶን ኣብ ዝሃበቶ ሓቤረታ ኣብ ህንጻ ምምሕዳርና ባንደራ ሽወደን ድኣ እምበር ካልእ ዝኾነ ጉጅለ ዝውክል ባንደራ ከምዘይስቀል ትሕብር።

ከምዝፍለጥ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን ደገፍ ግብረሶዶማውያን ንኸርእዩ ኣብዛ መዓልቲ ኩርዓት ግብረሶዶማውያን ተባሂላ ትፍለጥ መዓልቲ ኣብ ጎኒ ባንደራ ሽወደን ተንበልብል ኮይና፣ ምምሕዳር ስልቨስቦርይ ነዝን ብምቕዋም ናይ መጀመርያ ምምሕዳር ይገበራ። ኣቀዲሙ እዚ ምምሕድራ ምቕባል ሓደሽቲ መጻእቲ ሰደተኛታት ከምዝተሓሰመ ይፍለጥ።

ካብ ብዙሓት ተቃወምቲ ሰልፊን ውልቀሰባትን ተቓውሞ ይወርድ እዃ እንተሃለወ፣ መራሕቲ ሰልፍታት እዛ ምምሕዳር ዝኾና ደሞክራትና፣ ዓቓባዊ ሰልፊ፣ ሰልፊ ክርስተያን ናይቲ ከባቢ ሰልፊ ዝኾነ ሶል ግን ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com