Thursday , April 18 2024

ምንቁልቋል ንግዲ መካይን ይቕጽል

ብመሰረት ሓበሬታ ማሕበር ቢል ሽወደን (branschorganisationen Bil Sweden)፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ 22,718 ሓደስቲ መካይን ምምዝጋበን ሓቢሩ። እዚ ቁጽሪ ምስ ዓሚ ዝነበረ ተመሳሳሊ ወርሒ ክወዳደር እንከሎ ብ4% ዝውሕድ እዩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ዘሎ ምንቁልቋል፡ ካብ ናይ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ዝውሕድ እዩ ክብል ቢል ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተራእየ ምምሕያሽ ምንቁልቋል ዕዳጋታት፡ ብሰንኪ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮፓ ዘሎ መፍረ መካይን ምጅማሩን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት፡ ቅድሚ ቅልውላው ኮሮና ዝፈረያ መካይንን ቅያር ኣቑሕትን ከተመጽእ ምኽኣልን  እዩ ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማቲያስ በርግማን ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ዛጊት ክሳብ እዚ እዋን፡ 148,403 ሓደስቲ መካይን ምምዝጋበን ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዓመተ 2019 ክወዳድር እንከሎ ብ22.5% ምጉዳል ከም ዘርኣየ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com