Friday , April 26 2024

ምፍዋስ ዘድልዮም ሕማማት

ምሁር ስነ-ልቦና ኣብርሃም ማስለው ሓደ እዋን፡ “ደቂ ሰባት ምስ ተወለዱ ካብ ስድራኦምን ሕብረተሰቦምን ብዝወርስዎ ክብርታት’ዮም ተማእዚኖም ዝዓብዩ”። ኢሉ ነይሩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ኣብ ሂወቶም ብሉጽ ዝኾነ ነገር ንኽገብሩ ጽልዋ ክሓድሮም ግድነት ይኸውን።

ኣብነታውያን ብምዃን ከኣ፡ ብትምህርቲ፡ ስራሕ ይኹን ካልእ ጸለውቲ ንክኾኑ ይሕግዞም። ብመሰረት ውጽኢት ኣተዓባብያኦም ድማ፡ ኣብ ነብሶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ኣብ ሕብረተሰቦምን፡ ሃገሮምን ሓያል ዝኾነ ተዘካሪ ነገራት ብምብርካት ይልለዩ። ካብኡ ሓሊፎም፡ ኣብ መላእ ዓለም ስሞም ክልዓል ትሰምዖ። ዓስቢ ዝሓስብዎን ዝተበገስሉን ሰናይ ተግባራት ድማ፡ ብዕጽፊ ክከሓሱ ትዕዘብ። ሰብ ውጽኢት ኣተሓሳስብኡ’ዩ። ሕማቕ ዝሓስብ ሕማቕ ይረክብ። ንጽቡቕ እንተተበግስካ ከኣ፡ ጸጽብቑ ከሲብካ ትኸይድ።

 ብተወሳኺ ሂወት’ውን ብዓንድርእሳ ምርጫ’ያ። ብእትገብሮም ነገራት ከኣ፡ ተፍልጠካ። ዝገብርካዮ ብዘየገድስ ንከባቢኻ፡ሰብካ፡ ብጾትካ፡ ዓለምካ ዓው ብምባል ትነግረልካ። ቀስታዊ ዓውታኣ ድማ ኣብ ከበሮ እዝኒ ደቂ ዓለምካ ክበጽሕ ግድነት ይኸውን። ብደቓይቕ ክሕንበብ እውን ግዜ ኣይወስደሉን። እንተ ዓሚጽካ፡ ቀቲልካ፡ ኣዕኒኻ፡ ኣዕገርጊርካ፡ ኣባኢስካ፡ ሓሲኻ ንዓለም ስለስተ ግዜ ይዞራ።

ዕድመ ንቴክኖሎጂ። ቴክኖሎጂ ካብ ተላዕለ’ውን ነቲ ደረት ኣልቦ ፍልጠት ደቂ ሰባት፡ ከም ዝራቐቕ ብምግባር ንዓለም ብሓበሬታ ዘጨንቑዋ ሰባት ድማ ፡ ካብ’ዞም እንብሎም ዘለና ኣብነታውያን ሰዓብቲ ጽቡቕ እዮም። ብሓፈሻ እቶም ንዓለም ብኣበርክቶኦም ዝለወጥዋን ግኑን ስም ዘለዎም ሰባት፡ ኩሎም እቶም ብተስፋ ንመገዲ ጽቡቕዝሰዓብዋ እዮም። ቀንዲ ዛዕባና፡ ክፍወሱ ዘለዎም ቀንዲ ጠባያት ወይ ሕማማት ደቂ ሰባት ካብ ኮነ፡ ካብ ውሽጢ ደቂ ሰባት ክሕከኹ ዘለዎም ነገራት ግን እዞም ዝስዕቡ ንምጥቃሶም ይከኣል’ውን ይብለና ኣብርሃም ማሰለው።

-ስርቂ፡ ሕሜት፡ ቆየቛ፡ ፈኸራ፡ ጸርፊ፡ ሓሶት ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ነገራት፡ ቀተልትን መርዛማትን ነጥብታት እዮም። ብገለ ከም በርቂ በለጭ ብምባል ምስ ዘጋግዩኻን ወይ ናቶም ግዙእ ምስ እትኸውንን ድማ ሳዕቤኖም ቀሊል ምስ ዘይምዃኑ ተመሊሶም ይጎድኡኻ። ብተድጋጋሚ ምስ ትማሓዘዎም ብፍላይ፡ ሓንቲ መዓልቲ ምማትካ ዘይተርፍ ፍቱሕ ሕልሚ ሕማም’ዩ። ሓንሳብ እንተሒዞምኻ ወልፎም ብቐሊሉ ስለ ዘይሰድድ፡ ካብ ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት ሽሕ ማይልስ እንተረሓቕና‘ውን ጽቡቕ’ዩ።

ሂወት ዘዝሃብካያ’ያ እትቕበል። ከም ዝገበርካያ ድማ ትኸውን። ጥዑይ ሓሳብ ምስ ትሓስብ ትዕንብብ። ሕማቕ ነገራት ምስ እትመልኣን እተልምዳን ድማ፡ ሓደ መዓልቲ ሒዛትካ ትቕምስል። እናሓንሳእ ሂወት ከም ተኽሊ ስለ እትምሰል፡ ኣብ ምኹስኳሳን ማይ ምስታያን ድማ ናትካ ግደ ይኸውን። ጥዑይ ምስ እትሓስበላ ትጥዒ። ሂወትን ግራትን ሓደ እዮም። ሓረስታይ ንግራቱ ብጽቡቕ ምስ ዝድኳዓን ምስ ዘለሳልሳን ጽቡቕ ምህርትን ፍረን ትህቦ። ብኣንጻሩ ምስ ዝኸውን ግን፡ብዘይ እቶት ትቓድር። ስለ’ዚ ሂወት ኣጉላዕሊዓ ጽቡቕ ጽላል ንኸተጽልለላ፡ ቅዱስ ጥበብን ክእለትን ክሓተካ ግድነት ይኸውን። ኩሉ ሰብ ሓደ ብዘይ ምዃኑ ካብ ሰባት ኣብ ምጥዓያን ምሕማማን ከኣ ናትካ ግደ ይኸውን። ሂወት ካብ’ዞም ቀዘፍቲ ሕማማት እዚኦም ሓራ ምስ እትኸውን፡ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ይኸውን። ሓንጎሉ ብጽቡቓት ተስፋ ዝህቡ ቀጠልያ መብራህቲ ስለዝምላእ ድማ፡ ኣብ ስራሑ ዕዉት ኮይኑ ንኽወጽእ’ውን ኣይጽገምን’ዩ። ምሁር ስነ-ልቦና ኣብርሃም ማስለው ቀጺሉ፡ ንሱ ዝሰማማዓሎም ነጥብታት ይዝርዝር።

ኣብ ሂወትና ክስዓቡ ዘለዎም ኣገደስቲ ጽቡቓት ነገራት ማእለያ የብሎምን። ካብ’ዚኦም ዝርከብ ረብሓታት ቀሊል ኣይኮነን። ቅድም ቀዳድም ውሽጣዊ ዕግበት፡ ሩፍታ፡ ሰላምን ቅሳነትን ከኣ፡ ወትሩ ምሳኻ ብምዃን ዓጂቦሙኻ ይዞሩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዓለም “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ስለዝኾነ። ኣብ ዝኸድካ ኪድ፡ ዝገበርካዮ ነገራት ካብ ቅድሚ ሰብ ክኽወል ስለ ዘይክእል። ብድሕሬኻን ቅድሜኻን ድማ፡ ዘዝገበርካዮም ነገራት ኣብ ጽላሎትካ ኣለዉ። ኣብ ዓለም ሰብ ብዝገብሮ’ዩ ዝዝከር። ጸጽቡቑ ምስ እትሓስብን እትገብርን፡ ሕሉፍ ተግባራትካ ሓሊፉ ይጸንሓካ። ብኣንጻሩ ሕማቕ ትሓስብን ትፍጽምን እንተዄንካ ከኣ፡ ተጠቓሊሉ ሓሊፉ፡ ብኣቋራጭ ይጸንሓካ ማለት’ዩ። ከምዚኦም ዓይነት ተግባራት፡ ርእስን ልብን ሰባት ኣዕገርጊሩ ሰላም ዝኸልእ እከይ ዝጓሓፍ ተግባራት’ዩ። ብሓጺሩ ግን፡ ኣብ ሂወትና ክንውንኖም ዝግባኣና ኣጽዋር ተግባራት ሂወት ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ንምጥቃሶም ዝኣክል ግን እዞም ዝስዕቡ ከም ዝኾኑ’ዩ ዝዛረብ።

 -ምትሕግጋዝ

-ንለውጢ ምጽዓር

 -ንስራሕን ትምህርትን ብጉስ ምዃን

-ዕጉስ ምዃን -ትሑት ምዃን

-ብዛዕባ ኣብ ዝወጠንካዮም መደባት ምዕላል

-ካብ ዝኾነ ኣሉታዊ ነገራት ምርሓቕ

-ብብዝሒ ምንባብ

 -ንምዕባለ ምሕሳብ

-ዘይናትካ ዘይምድላይ

 -ምሕረት ምግባር

 -ጽቡቕ ምምናይ

ዝኣመሰሉ ንዕብየትናን ሰብኣውነትናን ዘበርኹ፡ ወርቃውያን ትሕዝቶታት ብምስዓብ ካብ’ዞም ዝጠቐስናዮም ሕማማት ናጻ ክንከውን ንኽእል። እንተዘይኮይኑ ጥዑይን ዕዉትን ሂወት ክትመርሕ ኣይትኽእልን። ካብ ሳዕቤናቶም ከነምልጥ ስለዘይ ንኽእል ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ክብሪ ዘለዎ ንጹህ ሂወት ኣይንመርሕን። ኩሉ ግዜ ከኣ ኣብሽቚረራ፡ቃንዛ፡ ጣዕሳ፡ ሕፍረት፡ ክሳራ ዝኣመሰሉ ጃልባ ሂወት ተወጢሕና ክንጓዓዝ ንነብር። ምኽንያቱ ክብሪ ዘይህቡ ተጓዳእቲ ተግባራት ስለዝኾኑ”ብምባል ይድምድም።

ምንጪ: internet


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com