Friday , March 29 2024

ሰልፍታት ሽወደን ብጉዳይ ሽወደን ክትቅበሎም ዝግባእ ብዝሒ ስደተኛታት ይዘራረቡ

ኮሚቴ ኤሚግሬሽን፡ ሽወደን ክትቅበሎም ትኽእል ዝለዓለ ብዝሒ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ኣብ ፓርላም ትዛረበሉ ከምዘላ ተፈሊጡ።

ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምዝማድ፡ ካብቶም ናብ ኤውሮፓ ዝመጹ ስደተኛታት ዝተወሰነ ቁጽሪ ንኽቕበላ ዝተሰማማዓሉ ጉዳይ እዩ። ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት፡ ሽወደን ኣብ ቀጻሊ ክትቅበሎም ትኽእል ብዝሒ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ኩለን ሰልፍታት ክዝትየሉ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ማለት ካብ 2%-3% ካብ ምሉእ ብዝሒ ናብ ኤውሮፓ ዝመጹ ስደተኛታት ምዃኑ እዩ።

ሰልፍታት ዓቃባውን ክርስትያን ዲሞክራትን ንእጃም ሽወደን (2%-3%) ብ80% ክጎድል ኣትሪሮም ዝካትዑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሰልፊ ሞደራትና ድማ ንብዝሒ ስደተኛታት ምውሳን ዝከኣል ከምዘይኮነ ርኢትኡ ብምሃብ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ ምድጋፉ ገሊጹ። ሰልፊ ሓምላይ (ኣከባቢ) ግን ብዝሒ ስደተኛታት ምውሳን ከምዘይቅበሎን “ኢሰብኣዊ” ክብል ከምዝገለጾን TT ሓቢሩ።

ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 3.8% ካብ ምሉእ ቁጽሪ ናብ ኤውሮፓ ዝመጹ ስደተኛታት ተቐቢላ ከምዝነበረት መዝገባር እታ ኮሚቴ ይሕብር። እንተኾነ ኣብ ዓመተ 2015 13% ካብ ምሉእ ቁጽሪ ናብ ኤውሮፓ ዝመጹ ስደተኛታት ተቐቢላ ከምዝነበረትን ብኣሃዝ ክረአ እንከሎ ክሳብ 163000 ስደተኛታት ነይሮም።

ኮሚቴ ኤሚግሬሸን፡ ሓድሽ ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲ ንምንዳፍ እዚ እማመ ናብ ፓርላማ ከምዘውረደቶን፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ/2020 ድማ ጸብጻባታ ናብ መንግስቲ ከተረክብ ትጽቢት ይግበር። ናይ መወዳእታ ኣኼባ ዕለት 23/07/2020 ከተካይድ ብምዃና ድማ ምስ ግዜ ትቀዳደም ምህላዋ ተዓዘብቲ ገሊጾም።

ከምተን ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓ፡ ሽወደን ውን ካብቶም ናብ ኤውሮፓ ዝኣትዉ ስደተኛታት እጃማ ክትካፈል ሓላፍነት ኣለዋ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ብመንገዲ ወኪል ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ዝኾነ ሪካርድ ላርሾን መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com