Friday , April 26 2024

ሰብመዚ ቻይና ንሽወደናዊ ትካል ኤሪክሰን ይምርምርዎ ኣለዉ ተባሂሉ።

ሰራሕ ተሌኮም ሽወደን ኤሪክሶን ኣብ ትሕቲ መርመራ” ሰብመዚ ውድድር ቻይና” ምህላዉን ብዙሕ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ከም ዝኽእልን ስቨንስካ ዳግብላዴት ጸብጺቡ’ሎ። እዚ መርመራ ነቲ ኤሪክሰን ካብ ኣፍረይቲ ሞባይል ቻይና ዝቕበሎ ፍቓድ ክፍሊት ዝምልከት ምዃኑ ድማ ተገሊጹ። ኣብዚ ዜና ርእይቶ ዝሃበ ክፍሊ ፕረስ ኲባንያ ኤሪክሰን ምስ ሰብመዚ ቻይና ብምትሕብባር ይዓዪ ምህላዉን እዚ መርመራ ንገለ ግዜ ክቕጽል ምጽንሑን ድማ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ኤሪክሰን ብምኽንያት ጉቦ 10 ቢልዮን ክሮና ዝግመት ገንዘብ ክቕጻዕ ከም ዝኽእል’ውን ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com