Friday , April 26 2024

ስርዓተ-ኣስተንትኖ “ዮጋ”

ዮጋ ብቛንቋ ህንዲ ክልተ ትርጒም ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ሃይማኖት ሂንዱ ትምህርቲ ሓሳባት ክኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ኣገባብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ምዕባለ’ዩ። ስርዓተ-ኣስተንትኖ ቃል ብቓሉ ክትርጐም እንከሎ፡ ስነ-ስርዓት ወይ ኣደብ ምግባር ማለት’ዩ። ሰዓብቲ ናይዚ ትምህርቲ ዮጊንስ ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ ትምህርቲ ኣብ መንጎ ሓሳብን ኣካልን ዘሎ መንፈሳዊ ፍልልይ ኣለሊኻ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዝግበር ልምምድ’ዩ፡፡ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ጥዕንኦም ንምምሕያሽ ኰነ፡ መንፈሳዊ ርግኣት ንኽስምዖም ስርዓተኣስተንትኖ ምጥቃም የዘውትሩ።

ትምህርቲ ስርዓት-ኣስተንትኖ ከም ዝብሎ፡ ሓደ ሰብ ክልተ ነገር ከማልእ ኣለዎ። ቀዳማይ ሓሳባውን ንቕሓትን ክህልዎ ይግባእ። ካልኣይ ንጽህናን ናጻ ዝዀነ መንፈሳዊ ንቕሓትን ምውናን ዘጠቓልሉ እዮም። መምህር ስርዓተ-ኣስተንትኖ፡ ‘መንፈስ ካብ ኣካል ምሉእ ብምሉእ ዝተፈልየ እንከሎ፡ ሰባት ግን ኣይፈልይዎን’ ይብሉ። በዚ ከኣ ሰባት ስርዓተ-ኣስተንትኖ ከም ዝለምዱዎ ብምምሃር ብዛዕባ መንፈሶም ከተረድኦም ትኽእል። ነዚ መንፈሳዊ ርድኢት ዝረኽቡ ብሃይማኖት ሂንዱ ካብ ዳግመ ምውላድ ይድሕኑ ኢሎም ይኣምኑ።

ናብ ሰርዓተ-ኣስተንትኖ ዝቐረበ ሰብ ብመሪሕነት መምሃራን ነዘን ሸሞንተ ባህርያት ንምምሕልላፍ ክለማመድ ኣለዎ፡፡

1. ስነ-ስርዓት ዘለዎ

2. ገዛእ-ርእስኻ ምህናጽ

3. ጽቡቕ ኣካላዊ ኣቃውማ

4. እስትንፋስ ምቁጽጻር

5. ስምዒት ምቁጽጻር

 6. ምውሳን ኣተኵሮ ኣተሓሳስባ

7. ክዳኒ ዝኽእል ሕልና

 8. ኣተኵሮ መንፈስ ስርዓት ኣስተንትኖ

ነዘን 8 ደረጃታት ዘማልእ ካብ መንፈስ ኣካል ይኹን መንፈስ ኩሉ ዝተፈልየ’ዩ። ኣብ ባህልን ሃይማኖትን ህንዲ ብዘይካ ትምህርቲ ስርዓተ-ኣስተንትኖ ካልእ ዓይነት’ውን ኣሎ።

1. ንዝመረጽካዮ ዓይነት ጣኦት ብሓሳብን ተግባርን ክትውፈየሉ እንከለኻ (bhakta yoga) ይበሃል።

 2. ዓስቢ ግቡእካ ንምርካብ ከይተገደስካ ግቡእካ ምፍጻም ዝብል ሕጊ (karam) ይበሃል።

3. ንዘጋጠመ ጸገማት ኣገባብ ምስትንፋስ፡ ኣካላዊ ቅርጺ፡ ጸቕጥን ካልእን ናብ ንቡር ንምምላስ ጥዕና ምሕላው (hatha yoga) ይበሃል። ህዝቢ ሃታ ኣካላቶም ንምጥንኻርን ዘየድሊ ልምዲ ንምውጋድን ጥዕንኦም የውሕሱ።

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ብዙሕ ዓይነት ስርዓተ-ኣስተንትኖ ይጥቀሙ እዮም። ንነገራት ንምፍዋስ ከኣ፡ ልዕሊ ፍልጠት ተመኩሮኣዊ ሓሳብ ንምውሳድ ንስርዓት-ኣስተንትኖ ሂንዱ ውሑድ ኣድህቦ ይህቡዎ።

 ምንጪ፡- hindu com


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com