Wednesday , April 24 2024
Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ስቶክሆልም ሓድሽ መርመራ ክትጅምር እያ።

ምምሕዳር ኮሮና ኣብ ሰሙን 40 ሽሕ ተቐማጦ ዝምርመርሉ ፕሮግራም ክትፍኑ እያ ተባሂሉ። ብመሰረት እዚ ፕሮግራም “ፍሉይ ንጥፈት ዘካይዱ” ተባሂሎም ዝተረቚሑ ክፍላት ሕብረተሰብ እውን ኣብዚ መርመራ ክካተቱ ክግበር እዩ ክብል ዳይረክተር ጥዕናን ሕክምናን ብዦርን ኤሪክሰን ሓቢሩ’ሎ። ካብቶም ብቐዳምነት ክምርመሩ እዮም ተባሂሎም ዘለዉ ልዑል ናይ ምልባድ ሓደጋ ዘንጸላለዎምን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝርከቡን ኣባላት እዮም ተባሂሉ’ሎ። በዚ ኣሃዝ መርመራ እቶም ኣብ ስልሳይ ደረጃ ተሰሪዖም ዝርከቡ ጒጅለ ማለት ኤጀንሲ ማሕበራዊ ምክልኻልን ቦርድ ምምሕዳር ኣውራጃን ኣብዚ መርመራ እቱዋት ክኾኑ እዮም።

ኣብዚ ጒጅለ ንመርመራ ዝካተቱ ኣባላት መነመን ምዃኖም ብቐንዱ ብሓካይም ዝውሰን ኮይኑ ካብዚ ጒጅለ ዝኾኑን ምልክታት እቲ ሕማም ዘርኣዩን ዘበሉ ብቐጥታ ናብ ማእከላት ጥዕና ጻውዒት ክገብሩ ብዦርን ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ሰባት ኣበየናይ ጒጅለ ከም ዝርከቡ ንኣስራሒኦም ብምውካስ ክፈልጡ ይኽእሉ እዮም ድማ ኢሉ። ብዘይካዚ MSB ንኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ንጥፈታት ክካተቱ ይግብኦም ናይ ዝበሎም ዝርዝር ቀዳምነታት ከም ዝሃቦን እዚኣቶም ካብ 150ሽሕ–200 ሽሕ ዝበጽሑ ምዃኖምን ድማ ተመልኪቱ። ኣብ ሆስፒታላት ዝጸንሐ መጠን ሕሙማት ክንኪ እኳ እንተጸንሐ ብሰሉስ ግና ናህሪ ምርኣዩ ብምምልካት እዚ ብሸለልትነት ሰባት ዘይኮነ ግዜያዊ ተርእዮ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ብዦርን ጠቒሱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com