Friday , April 19 2024

ስንኩል ኴንካ ምንባር

ስንክልና ኣሎዎ ዝብሃል ሰብ፡ ብምኽንያት ሕማም ወይ መጕዳእቲ ብዝወረዶ ጸገም ዝሰንከለ ኮይኑ፡ ደገፍ ዘድልዮ ሰብ ማለት እዩ።

እቲ ስንኩል፡ ልክዕ ከም ካልኦት ጥዑያት ሰባት፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክዋሳእ ዕድል ኣሎዎ። ስንክልና ዘሎዎም ህጻናት፡ ልክዕ ከም ካልኦት ጥዑያት ህጻናት፡ ክንክንን ትምህርትን ይውሃቦም እዩ።

LSS (ንስንኩላን ዝውሃብ ደገፍን ኣገልግሎትን) ዝብል ሕጊ ኣሎ። ንሱ፡ ስንኩላን ደገፍ ንምርካብ መሰል ይህቦም። እቲ ሓገዝ፡ ንኣብነት ብሰብ መልክዕ ክኸውን ይኽእል። እቲ ሰብ፡ ኣብ ኩሉ መዓልታዊ ናብራ ናይቲ ስንኩል ደገፍ ይህብ። ብገንዘብ መልክዕ’ውን ይኸውን እዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ስንክልናኻ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ምስ ዝኸውን፡ ወይ ድማ ንምስራሕን ንምምሃርን ተወሳኺ ገንዘብ ምስ ዘድልየካ ማለት’ዩ። እቲ ናይ ስንክልና ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ካብ ትካል ውሕስነት፡ ማለት ፎርሼክሪንካሳን ኢኻ ትረኽቦ።

ናይ “ዕብየት ኣእምሮ ስንክልና፡ ማለት ኦቲዝም”፡ ወይ ነባሪ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጒድኣት ምስ ዝህልወካ ነቲ ሓገዝ ካብ LSS ኢኻ ትረኽቦ። ስንኩላን ቆልዑ ምስ ዝህልዉኻ፡ ‘መተካእታ ደሞዝ’ ክትረክብ ትኽእል። ንስንክልና ዝምልከቱ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ፡ ምስ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ኮምዩንካ ወይ ዝምልከቶ ክፍሊ ምክንኻን ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንሕሙማን(Färdtjänst)

ብዘይ ሓገዝ ክትጓዓዝ፡ ወይ ልሙድ ህዝባዊ መጓዓዝያ (ኣውቶቡሳት: ባቡር: ትራም) ክትጥቀም ዘጸግመካ እንተኾይኑ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንሕሙማን(färdtjänst) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት፡ ብታክሲ ወይ ብንእሽቶ ኣውቶቡስ ክትጓዓዝ ይፍቀደካ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝግብኣካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝውስን፡ ኮምዩንካ እዩ።

እንተሓሚምካ ወይ ናይ ኣካላት ስንክልና እንተለካ፡

እናሰራሕካ ምስ እትሓምም፡ እቲ ወሃብ ስራሕካ፡ ነተን ቀዳሞት 14 መዓልታት፡ ‘ናይ ሕማም ሓገዝ (Sjuklön)’ ይኸፍለካካ። ብድሕር’ዚ፡ ካብ ትካል ውሕስነት፡ ማለት ፎርሼክሪንካሳን ናይ ‘ደሞዝ መተካእታ’ ትወስድ። እዚ ድማ፡ ‘መተካእታ ደሞዝ ሕማም(Sjukpenning)’ ይብሃል።

ብምኽንያት ሕማም፡ ብመጕዳእቲ ወይ ብስንክልና፡ ምሉእ ግዜ ክትሰርሕ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ካብ ትካል ውሕስነት፡ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ምስ ትካል ውሕስነት(Försäkringskassan) ርክብ ምግባር

ሕቶ ምስ ዝህሉወካ፡ ኬድካ እትሓተሉ ናይ ውሕስነት ኣገልግሎት ዝህብ ቤት ጽሕፈት ኣሎ። ስሕት ኢሉ፡ ቆጸራ ምግባር ከድልየካ’ዩ።

ውሳነ ቤት ጽሕፈት ትካል ውሕስነት ግጉይ እዩ’ ትብል እንተ ዄንካ፡ እግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እቲ እግባይ፡ ብጽሑፍ’ዩ ክቐርብ ዘለዎ። እግባይ ክትብል እንተ ደሊኻ፡ ውሳነ ምስ ተዋህበ፡ ግድን ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኢኻ እግባይ ክትብል ዘለካ። እቲ እግባይ፡ ናብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ (Förvaltningsrätten) ኢኻ ትጽሕፎ። መጀመርታ ግን ናብ ቤት ጽሕፈት ውሕስነት ደብዳበ ስደድ። እዚ ድማ ንቤት ጽሕፈት ውሕስነት፡ ውሳነ ክቕይር ዕድል ይህቦ። ነቲ ውሳነ እንተዘይቀይሩዎ ግን፡ ነቲ እግባይ ናብ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ትሰዶ።

ቊጠባዊ ረድኤት (Ekonomiskt bistånd)

ቊጠባዊ ናይ መንበሪ ረዲኤት፡ ኣካል ማሕበራዊ ውሕስነት ኮይኑ፡ ብኮምዩናት ይምእከል። ነብስኹም ዘይትኽእሉ ምስ እትኾኑ፡ ቊጠባዊ ናይ መንበሪ ረድኤት ምእንቲ ክውሃበኩም፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ’ቲ እትነብሩሉ ኮምዩን ብምኻድ ኢኹም ተመልክቱ።

ምንጪ: information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com