Tuesday , April 16 2024

ሽቅለት ኣልቦነት ይውስክ ምህላው ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ።

ኣስታት 357 620 ደለይቲ ስራሕ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር 2019 ምዝጉባት ከምዘለዉ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ። ምስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ክነጻጸር ከሎ ኣስታት 17000 ዝያዳ ደለይቲ ስራሕ ከምዘልዉ ይሕብር። እዚ ድማ ሽቅለት ኣልቦነት ናብ 7•1 ሚእታዊት ክብ ምባሉ ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወርሒ ሽቅለት ኣልቢነት 6•1 ሚእታዊት ኔሩ።
እዚ ተርእዪ ምውሳክ ሽህቅለት ኣልቦነት ብተከታታሊ ን ራብዓይ ወርሒ ከምዝሓዘ ምስ ምንጽ ጻርጸብጻባት ዝሓለፈ ዓመት የርእዩ።

እዚ ምውሳሕ ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ መብዛህተን ኣውራጃታትን ሚምሕዳራትን ከምዝሽፈነን ይኩንበር ኣብ ኣውራጃታት ሃላድን ካልማርን ግን ብመንጽሩ ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ ይጎድል። እታ ዝበዝሑ ምዝጉባት ደለይቲ ስራሕ ዝርከብዋ ኣውራጃ ሶደርማንስላ 9•9% ክትከውን ከላ ብድሕርያ ድማ ኣውራጃ ያቭለ ቦርይ ትስራዕ። እታ ዝወሓደ ምዝጉባት ደለይቲ ስራሕ ዘለው ድማ ፌስተንቦትተን (5•5%) እያ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ተከታታሊ ወርሕታት ምንቁልቃል ኢኮኖሚን ምብዛሕ ሽቅለት ኣልቦነት ኸምዝተራእየ ሓላፊት ኣናልይስ ኣብ ኣርበጽፎርመድሊገን ትሓብር:: በዚ ኩነታት ተጸለውቲ ዝኮኑ ድማ እቶም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘይብሎምን ካብ ኣውሮፓ ወጻኢ ዝተወልዱ እዮም። ብተወሳኪ እውን ቁጽሪ ካብ ስራሕ ንነዊሕ ዝ ተ ኣልዩ ድሕሪ ሳመር 2019 ን መጀመራት ግዜ ከምዝወሰከ ትሕብር።

ኣብዚ እዋን ብዙሓት ደለይቲ ስራሕ ከምዝተመዝገቡን ከምኡውን ብ ዝሒ ናይ ስራሕ ምስጔግ ከምዝወሰካን ብተወሳኵን ኹፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ከም ዝጎደለ ጸብጻባት ኣርበጽፎመድሊገን ከም ዝሕብሩ:: ወላካ ምንቁልቃል አኮኖሚ አንተተር ኣየ ኩነታት ናይ ስራሕ ዕዳጋ ግን ጽቡቅ ከምዘሎ ኣኒካ ሱንደን ሓላፊት በ ዓል መዚ ዕዮ ትገልጽ።

ወሃቢ ዜና ቲቲ ከምዝዘገቦ ኣብዚ አዋን ሽሕዃ ሽቅለት ኣልቦነት ተወሰከ ጠለብ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ዓቢ ምህላው እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com