Thursday , April 25 2024
Fredrik Sandberg/TT

ሽወደናዊ ፓስፖርት ምሃብ ብግዝያውነት ኣቋሪጹ

ስቶክሆልም:  ኣብ ምሃብ  ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ሽወደን ቀጥታዊ ሓላፍነት ዘለዎም ፖሊስ ካብ ሕዳር 30 ክሳብ ታሕሳስ 2 ኣብ ዘሎ መዓልታት  ሕቶ ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ከም ዘይቕበል ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ኣብ ዝሃበዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ምዕዳል ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ብዘመናዊ ኣገባብ ንምጅማርን ነቲ ኣረጊት ኣገባብ ንምትካእን ተባሂሉ ምዃኑ ኣነጺሮም ኣለዉ።
እዚ ማለት ስርዓት ኣወሃህባ እምበር ናይ ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ምቕያር ማለት ከም ዘይኮን ክበርህ ይግባእ። ብመሰረት መብርሂ በዓል መዚ ስርሒታት ፖሊስ ኤሚሊ ሊንድፎል እዚ ምርጫ ዝተገብረሉ ምኽንያት ሒደት ካልእ መማረጺ ስለዘሎን ብዙሓት ዜጋታት ክትንከፉ ስለዘይንደሊን እዩ።
ፓስፖርቶም ዝወድኡ ከምኡውን ንደገ ክጓዓዙ ዝደልዩ ሰባት ክሳብ እዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ጥርዓኖም ከቕርቡን ፖሊስ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com