Friday , April 19 2024

ሽወደን፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ናብ ሊባኖስ ትሰድድ

ሽወደን፡ ነቶም ብሰንኪ ንበይሩት ዘንቀጥቀጠ ሓያል ነትጒ ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝሓዘት ጽዕነት ናብ ሊባኖስ ከም ዝሰደደት ተፈሊጡ። ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ 130 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም።
ሽወደናውያን ኣሃዱታት ህጹጽ ረዲኤትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ጓንትታት፡ ማስክ፡ በጃ ክዳን፡ መራፍእን ጸረ ነፍሳትን ዝኣመሰሉ ናውቲ ሕክምና ጽዒነን ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ሒሳቡ ሓቢሩ።
እቲ ዝተላእከ ሕክምናዊ ሓገዝ፡ ጽባሕ ቀዳም ናብ ሊባኖስ ክኣቱ ትጽቢት ከምዘሎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ኣብቲ ብመንገዲ ኤውሮፓዊ ሕብረት ንሊባኖስ ዝግበር ሓገዝ፡ ሽወደን፡ ናይ ዓቕሚ ሰብ ሓገዝ ንኽትገብር ርእይቶ ኣቕሪባ ከምዘላ ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com