Friday , April 19 2024

ሽወደን፡ ንቻይናውያን ኩባንያታት ሁዋዊን (Huawei) ዚቲኢን (ZTE) ኣፍደጊኣ ትዓጹ

ኣገልግሎት ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ንመርበብ 5G ሽወደን ተባሂሉ ናይ ቻይናውያን ኩባንያታት፡ ሁዋዊን (Huawei) ዚቲኢን (ZTE) ፍርያት፡ ኣብ ኣገልግሎት ንኸይውዕል ከምዘጠንቀቐ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።

ኣገልግሎት ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ንመርበብ 5G ሽወደን ብዝምልከት፡ ካብ ዕለት 10/11/2020 ጀሚሩ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ፡ ቀዳማይ ጨረታ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ብሓይልታት ምክልኻልን ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሽወደንን (SAPO) ምስ ጸጥታዊ ኩነታት ሽወደን ዝተሓሓዝ  ዝቐረበ ገምጋም መሰረት፡ ቻይናውያን ኩባንያታት ሁዋውን ዚቲኢን፡ ኣብቲ መስርሕ ጨረታ ንኸይሳተፋ ተኸልኪለን ከምዘለዋ ሓቢሩ።

ብመሰረት ዝቐረበ ገምጋም፡ እቶም ኣብ ትሕተ ቅርጻዊ መደባት እንጥቀመሎም፡ ናይዘን ቻይናውያን ኩባንያታት ፍርያት፡ ኣብ ዓመተ 2025 ክዛዘም እዩ።

ፍርያት እዘን ቻይናውያን ኩባንያታት ካብ ምጥቃም ዝኽልክል ውሳኔ፡ ካብ መጀምርያ ናይዚ ዓመት ኣብ ትግባረ ከምዝወዓለ ይዝከር።

ኣገልግሎት ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ንኣርባዕተ ሃገራውያን ኩባንያታት Tre: Tele 2 ምስ Telenor፡ Telia ን Teracom ን ኣብ ጨረታ 5G ንኽሳተፋ ኣፍቂዱ ከምዘሎ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com