Saturday , April 20 2024

ሽወደን፡ ንናይ ህጻናት ክታበት ዝውዕል ተወሳኺ ገንዘባዊ ወፈያ ገይራ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህጻናት ናይ ክታበት ዕድል ንኽረኽቡ ብምባል፡ ሽወደን፡ ከም እንደገና ተወሳኺ ናይ 50 ሚልዮን ክሮነር ወፈያ ብምግባር ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ከተበርክቶ መዲባ ዘላ ናብ 350 ሚልዮን ክሮነር ክብ ከምዘበለቶ ሓቢራ።

ብGavi ዝፍለጥ ናይ ክታበት ፕሮግራም፡ ንወሃብቲ ኣካላት ትማሊ ሓሙስ ዋዕላ ከምዝገበረ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ፕሮግራም ብኣህጉራዊ ዝኾነ ምትሕግጋዝ ናይተን ኣብ ው.ሕ.ሃ. ዝርከባ ውድባትን ውልቃያን ማሕበራት ዝቖመ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ብዙሓት ሃገራት ክታበት ህጻናት ኣቋሪጸን ብምጽነሐን ኣብዚ ሕጂ እዋን ን Gavi ዝጽበዩ ዘሎ ብድሆ ዓቢ ብምዃኑ ተዓጻጻፊ ጻዕሪ ክሓቶ እዩ። ብተመሳሳሊ መንገዲ  ኣብ ሽወደን ክታበት ኣቋሪጹ ብምጽንሑ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ህጻናት ከውርዶ ዝኽእል ሳዕቤናት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ዝያዳ ህጻናት ጸረ መልመስቲን ንፍዮን ዝኾነ ክታበት ንኽረኽቡ ተወሳኺ ጻዕርታት ከድልየና እዩ። ምስተን ኣብ ው.ሕ.ሃ. ዝርከባ ውድባት፡ ናይ ውልቁ ኩባንያታት፡ ተመራመርትን ሲቪላዊ ህዝብን ዝግበር ዝምድናታት ካብቶም ኣገደስቲ ረቛሒታት እዮም ክብል ሚኒስተር ምትሕግጋዝ ሽወደን፡ ፒተር ኤሪክሰን፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ካብ ዓመተ 2000 ጀሚሩ፡ ብመንገዲ ፕሮግራም Gavi ኣስታት 800 ሚልዮን ህጻናት ናይ ክታበት ዕድል ረኺቦም። ናይ ኮሮና ክታበት ምስ ተረኽበ ውን ናብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለምና ከይተረፈ ናብ መላእ ዓለም ብመንገዲ እዚ ፕሮግራም ክበጽሕ ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበረሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com